ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢንዱስትሪ ፓርክ ገላን ጉራ ንማእኸለዎትን ላዕለዎትን ኢንተርፕራይዛት ምቹው ናይ ንግዲ ከባቢ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ብኣሽሓት ንዝቑፀሩ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ዝኸፍት ኢዩ ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኢንዱስትሪ ፓርክ ገላን ጉራ ሎሚ መዓልቲ ምምራቑ ገሊፆም፡፡
ምዝዛም ኢንዱስትሪ ፓርክ ገላን ጉራ ዘተኣማምንን ጥንኩርን ኢኮኖሚ ንምህናፅ ኣብ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ብልፅግና ተደማሪ ዝላ ኢዩ ኢሎም፡፡
ኣብ ከተማና ብሓፈሻ ኣብ 93 ነጥቢ 9 ሄክታር መሬት ዝዓርፍ እቲ ፓርክ ስፍሓት ኣብ 43 ሄክታር መሬት ከምዝተሃነፀ ኣፍሊጦም፡፡
እዚ ድማ ንማእኸለዎትን ላዕለዎትን ኢንተርፕራይዛት ምቹው ከባቢ ንግዲ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ብኣሸሓት ንዝቑፀሩ መናእሰይና ዕድል ስራሕ ዝኸፍት ኢዩ ኢሎም።