ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)መቐመጢኡ ኣብ ኣሜሪካ ዝገበረ ጣብያ ቴሌቪዥን ሲኤንኤን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ካብተን ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሓሙሽተ ቀዳሞት ሃገራት ብቕልጡፍ ዝዓቢ ኢኮኖሚታት ሓንቲ ምዃና ገሊፁ።
ብወኪል ፀብፃብ ሲኤንኤን ኣብ ኬንያ ቪክቶሪያ ሩባደሪ ዝተዳለወ ፀብፃብ፤ ምብራቕ ኣፍሪካዊት ሃገር ኢትዮጵያ ብፍርያት ቡን ከም እትፍለጥንን ቡን ኣብ እቶት ሸርፊ ወፃኢ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ብፅሒት ከም ዝሕዝ ኣብሪሃ።
ኢትዮጵያ ኢኮኖሚኣ ንምዕባይ ብዝገበረቶ መመሓየሺ ብዝሃ ኢኮኖሚ ኣብ ዓውዲታት ኢንዱስትሪ፣ ሕርሻ፣ ዝሕደስ ሓይሊ፣ መዓድን፣ ቱሪዝምን ኣብ ወሰንቲ ህንፀታት መሰረተ ልምዓትን ዓበይቲ ዓወታት ከም ዘመዝገበት ገሊፃ።
ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ብፍሉይ መልክዑ መሰረተ ልምዓታ ተማሊኡላ ፀቢቓን ወቂባን ከምትርከብ ብምሕባር፤ ኣዲስ ኣበባ ዝለዓለት ማእኸል ንግዲን ኢኮኖሚያዊ ንጥፈታትን ዝካየደላ ከተማ ከምዝኾነት ፀሪሓ።
ዳይሬክተር ሃገራዊ ቤት ፅሕፈት ዓለም ለኸ ማእኸል ትንተና ዕብየት ቴዎድሮስ መኮንን ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፤ ብዝተገበሩ መመሓየሺታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ እናዓበየት ከምትርከብ ተዛሪቡ።
ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ዝበለፃ ሓሙሽተ ኢኮኖሚታት ሓንቲ ምዃና እውን ኣብሪሁ።
ካብዚ ሓሊፉ ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት ወርቂ፣ ኣብ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ፣ ኣብ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ፣ ቱሪዝምን ካልኦት ዘፈራትን ልዐል ዕብየት ተመዝግብ ከምዘላ ሲኤንኤን ፀብፂቡ።
ብሚኪያስ ኣየለ