ኣሜሪካ ኣብ ባንኪ ተኣጊ ዝፀንሐ 12 ቢሊየን ዶላር ንኢራን ንምልቃቕ ተስማዕሚዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሜሪካ ብማዕቐብ ምኽንያት ኣብ ባንኪ ተኣጊዱ ዝፀንሐ 12 ቢሊየን ዶላር ፈንድ ንኢራን ንምልቃቕ ተስማዕሚዓ፡፡

ኢራን ብማዕቐብ ኣሜሪካ ምኅንያት ኣብ ቻይና፣ ኢራቕ፣ ህንዲን ኳታርን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ 100 ክሳብ 120 ቢሊየን ዶላር ዝበፅሕ ገንዘብ ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱዋ ፀኒሑ ነይሩ፡፡

ኣሜሪካን ኢራንን ዘላቒ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንምግባር ኣብ ስዊዘርላንድ ዝገበሩዎ ዘተ ምዝዛሙ ስዒቡ ንዳግመ ህንፀት ኢራን ዝውዕል ፈንድ ንኽልቀቕ ምውሳኑ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኢራንን ላዕለዋይ ተደራዳሪን መሓመድ ባጋር ጋሊባፍ ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ መሸጣ ነዳዲ፣ ዘይቲን ፔትሮኬሚካልን ኢራን ኣንቢራቶ ዝነበረት ማዕቐብ ንምልዓል ተስማዕሚዓ ኣላ።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ተኣጊዱ ዝፀንሐ ሒሳብ ባንኪ ኢራን ፍርያታት ሕርሻ ኣሜሪካ ንምዕዳግ ኣብ ረብሓ ከይውዕል ተዛሪቦም።

ኢራን ብምላሹ ኣስዊዘርላን ዝግበር ዘተ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኢነርጅ ኣቶሚክ ኣብ ልዕሊ ጣቢያታት ኑክሌር ኢራን ቁፅፅር ንኽገብር ፍቓዳ ሂባ ኢሉ።

ብሚኪያስ ኣየለ

Comments (0)
Add Comment