ኣምሓራን ኦሮሞን ብዘበናት ዝተረጋገፀ ጥንኩር ሓድነት ዝፈጠሩ ህዝብታት እዮም – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝቢታት ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ነዊሕ ዘበናት ጥንኩር ሓድነትን ምትእስሳርን ዝፈጠሩ ህዝብታት ኢዮም ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኣምሓራ ሚዲያ ኮርፖሬሽን (ኣሚኮ) ብዛዕባ ታሪኻዊ ምትእስሳር ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፤ ክልሊኦም ህዝብታት ብሓባር እናተጓዓዙ፣ እናነገዱ፣ እናተዋሰቡን ብብዙሕ መንገዲ እናተዋሃሃዱን ከምዝነበሩ ኣልዒሎም።

ህዝብታት ኦሮሞን ኣምሓራን ብመውስቦ፣ ፖለቲካዊ መውስቦን ብባህላዊ ስርዓት ጉዲፈቻን ጥንኩር ምትእስሳር ከምዝፈጠሩ ብምፅራሕ፣ በዞም ሰለስተ መንገድታት ኣብ መንጎ እቶም ህዝብታት ዝነበረ ዝምድና ብዝበለፀ እናበርትዐ ምምፅኡ ኣብሪሆም።

ዝተፈላለዩ ፍፃመታት ታሪኽ ህዝቢታት ኣምሓራን ኦሮሞን ጥንኩር ታሪኻዊ ውህደት ክህልዎም ከምዝገበሩ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ሸዋ፣ ጎንደር፣ የጁን ካልኦት ብዙሓት ስልጣነታትን ክልቲኦም ህዝቢታት ዝነበሮም ምትእስሳር ከምመርኣያ ኣልዒሎም።

ኣብ ምስረታ ዘበናዊት ኢትዮጵያ ክልቲኦም ህዝብታት ብሓባር ጠጠው ከምዝበሉ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ወፍርታት እውን ብሓባር ዓወት ከምዘመዝገቡ ኣብሪሆም።

ዓወት ዓድዋ ብሓድነት ዝተረኸበ፣ ብሓባር ዝተቓለሱሉ፣ ንሓንቲ ክብርቲ ሃገር ብሓባር ዋጋ ዝኸፈሉሉ፣ ንዓባይ ሃገር ኣቐዲሞም ብሓባር ዝዘመቱን ብሓባር ዝሞቱን፣ ሃገር ዘፅንዑሉ ናይ ሓባር ዓወት ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።

ዓወት ዓድዋ ሃፀይ ምኒልክ ምስ ደጃዝማች ባልቻን ፊታውራሪ ገበየሁን ብምትሕብባርን ብሓባር ብምስራሕን ዘረጋገፅዎ ናይ ሓባር ዕላማን ዓወትን ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ፊውዳላዊ ስርዓት ሓረስቶት ጎጃምን ባሌን መሰሎም ንምኽባር ከምዝንቀሳቐሱ ብምሕባር፣ እዚ ሓርካ ናይ ምንባርን ምውሃድን ባህሊ ኣብ ክልቲኦም ብሄራት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ እውን ዝረአ ምዃኑ ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment