ኣምባሳደር ጀማል በከር (ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዙርያ ኣብ ኣቡዳቢ ንዝርከቡ ኣምባሳደራት ኣፍሪካ መብራህርሂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጀማል በከር (ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዙርያ ኣብ ኣቡዳቢ ንዝርከቡ ኣምባሳደራት ሃገራት ኣፍሪካ መብርሂ ሂቦም።
ኣብ መብራህርሂኦም ልዕሊ 50 ሚሊየን ዜጋታት ዝተሳተፍሉ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝዓበየ ከይዲ መረፃ ምዃኑ ሓቢሮም።
ነቲ መረፃ ዝተዓዘቡ ልኡኻት ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን እቲ ከይዲ ሰላማዊ፣ ተኣማኒነት ብግቡእ ዝተመሓደረን ምንባሩ ምርግጋፆም ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ 12 ቢልየን ዶላር ወፃኢ እናተሃነፀ ዘሎ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ብዝምልከት ዝካየድ ዘሎ ህንፀት መብርሂ ሂቦም።
ኣብ ህልው ኩነታት ክልል ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ጉጅለ ፅንፈኛ ነበር ህወሓት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከም ዘፍረሰ ሓቢሮም።
ኣብቲ ከይዲ ናይ ወፃኢ ተዋሳእቲ ይሳተፉ ከምዘለዉን ነቲ ኩነታት የጋድድዎ ከምዘለዉን እውን ገሊፆም።
ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ሃገራት ኣፍሪካ ነዚ ተግባር ክኹንን ኢትዮጵያ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምትካል ዘለዋ ተወፋይነት ክድግፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
Comments (0)
Add Comment