ኣብ ሩስያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ 13 መዓርፎ ነፈርቲ ኣገልግሎት ተቋሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ደቡባዊ ሩስያ ከተማ ሮስቶቭ ኦን ዶን ኣብ ዝርከብ ህንፃ ምምሕዳር በረራታት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ዝኾነ ይኹን መጉዳእቲ ከምዘይበፅሐ ሚኒስቴር ትራንስፖርት እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

ብምክንያት መጥቃዕቲ ዝተቋረፀ ኣገልግሎት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ንቡር ንምምላስ ፃዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

በቲ መጥቃዕቲ ሩስያ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ናዚ ጀርመን ዓወት ኣብ ዘመዝገበትሉ መበል 81 ዓመት ኣብ እተብዕለሉ እዋን ምኳኑ ተገሊፁ፡፡

ሩስያን ዩክሬንን ፅባሕ ምሸት ዝኽር እቲ በዓል መዓልቲ ዓወት ንምምላስ ንኽልተ መዓልታት ዝፀንሕ ምቁራፅ ተኹሲ ኣዊጀን ከምዝነበራ ይዝኸር፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

Comments (0)
Add Comment