ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕን 273 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕን 273 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።
እቶም ተመለስቲ 1 ሺሕን 108 ደቂ ተባዕትዮ፣ 163 ደቂ ኣንስትዮን 2 ህፃናትን እንትኾኑ፤ ካብዚኣቶም ድማ 49 ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰገናት ከም ዝርከቡዎም ሓበሬታ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣመልኪቱ።
ንተመለስቲ ዜጋታት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲን መዕቆቢ ማእኸላትን ኣድላዪ ሓገዝን ክንክንን ብምግባር ምስ ስድራቤቶም ናይ ምፅምባር ስራሕ ከም ዝተኻየደ እውን ተሓቢሩ።
ካብ 5 መስከረም 2018 ዓ.ም ዝተጀመረ ዜጋታት ናብ ሃገር ናይ ምምላስ ስራሕ፣ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 104 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።
Comments (0)
Add Comment