ኣብ በቢከባቢኡ ዝካየዱ ስራሕቲ ንኢትዮጵያ ናብቲ እንሓልሞ ብራኸ ናይ ምውሳድ ዓቕሚ ኣለዎም – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ንኢትዮጵያ ናብቲ እንሓልሞ ብራኸ ናይ ምውሳድ ዓቕሚ ኣለዎም ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣካል ልምዓት ኮሪደር ዝኾነት ዘመናዊት ሞዴል ሃማሳ ሎሚ መሪቖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ እቲ ዝተሰርሐ ኮሪደር ልምዓት ገጠር ሓረስቶት እቲ ከባቢ ናብ ዝሓሸ ናብራ ምንባር ክኽእሉም ምኳኑ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕቲ ኮሪደር ልምዓት ሞዴል ገዛውቲ መንግስቲ ከምዝሃነፀ ኣዘኻኺሮም።

ሎሚ ዓመት ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ነበርቲ ባዕሎም ይሰርሑ ከምዘለዉ ብምሕባር፤ እቲ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ገጠር ምዕራብ ኣባያ ዝርከቡ ሞዴል ገዛውቲ ሙሉእ ብሙሉእ ብወፃኢ ሓረስቶት ከምዝተሃነፁ ኣመላኺቶም።

ንሕና ካብ ምስልጣንን ድጋፍ ካብ ምግባርን ወፀኢ ሙሉእ ብሙሉእ ወፃኢ ዝተሸፈነ ብናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ከምዝተሸፈነ ገሊፆም።

ሓረስቶት ኣሕምልቲ፣ ፍረምረ፣ መዓር፣ ዓሳ፣ ደርሆን ፍርያት እንስሳን ብምፍራይ ኣብ መረበኦም ተረባሕቲ ይኾኑ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ፅሬት እንትህልው ጥዕና ኣሎ ዝበሉ እቶመ ቀዳማይ ሚኒስትር እዞም ጉዳያት ልዑል ግምት ክወሃቦም ይግባእ ኣተሓሳሲቦም።

በዙይ እውን ናብራ ዜጋታትና ይቕይሩ፤ ኣነባብራና የመሓይሹ፤ ንኢትዮጵያ ናብቲ እንሓልሞ ብራኸ ናብቲ እንሓስቦ ምዕባለ ናይ ምውሳድ ዓቕሚ ኣለዎም ኢሎም።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment