ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ ኣብ እንጦጦ ፓርክ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ሓዊሱ ብዙሓት ኣምባሳደራተ ወፃኢ ሃገራት፣ ዲፕሎማሰኛታትን ሓለፍቲ ስራሕን ተሳቲፎም።

ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ኣብቲ እዋን፥ ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ኣሰር ብዝወነቶ ተምሳሌታዊ ተግባራት ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ኣፍልጦ ምርካባ ኣልዒሎም፡፡

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም ኢትዮጵያ ኩመራ ዋቅጅራ ብግደኦም፥ ሓምለዋይ ኣሰር ብወገን ኢትዮጵያውያን ሓላፊነት ምውፃእ ጥራሕ ዘይኮነስ ውፅኢት መርአዪ ሓድነት ኮይኑ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ተፈጥሮ መዋእለ ንዋይ ምፍሳስ ንምርግጋፅ ሰላምን ልምዓት ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ኣብሪሆም።

ብኣሸናፊ ሽብሩ

Comments (0)
Add Comment