ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጎስጓስ ምክልኻልን ድሉውነትን ሓደጋ ውሕጅ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋን ክረምቲ ዝትግበር ጎስጓስ ምክልኻልን ድሉውነትን ሓደጋ ውሕጅ ተጀሚሩ፡፡

እቲ ጎስጓስ ዘጀመሩ ምክትል ከንቲባ ጃንጥራር ኣባይ÷ ተቓላዕነት ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት እታ ከተማ ሓደጋ ውሕጅ ናይ ምክልኻል ስራሕ ብጎስጓስ መልክዑ ክውገን ኢዩ ኢሎም።

ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ኣብ ኣቃቂ ቃሊቲ ተቓላዕነት ውሕጅ ልዑል ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ምክልኻልን ድሉውነትን ሓደጋ ውሕጅ መሰረት ብምግባር ብዝተወገኑ ተግባራት ተቓላቕነት እናነከየ ከምዝመፅአ ሓቢሮም።

ሓደጋ ቀዲምካ ናይ ምክልኻል ድሉውነት ስራሕቲ ኣካል እቲ ጎስጓስ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ሃንደበታዊ ሓደጋ ምላሽ ዝህባ ትካላት ኣብ ክፍለ ከተማታት ምህናፆም ሓደጋ እንተጋጥም ቅልጡፍ ምላሽ ንመሃብ ከምዘኽአለ እውን ገሊፆም።

ሩባታት ፅሩይ ማይ ሒዞም ዝወርዱ እምበር ሓደጋ ዘብፅሑ ከይኾኑ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም እውን ኢሎም።

ብእዮናዳብ ኣንዱኣለም

Comments (0)
Add Comment