ኣዲስ ኣበባ ዓበይቲ ፍፃመታት ናይ ምትእንጋድ ዓቕማ አዕብያ እያ – ሰላማዊት ካሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣዲስ ኣበባ ከም ዓብዪ ጉያ ዝበሉ ዓበይቲ ፍፃመታት ናይ ምትእንጋድ ዓቕማ አዕብያ እያ ኢለን ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ።

ናይ 2019 ዓ.ም ዓብዪ ጉያ ኢትዮጵያ “ጉያይ ቀለመይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ መበገሲ ቦታታት ክካየድ እዩ።

እተን ሚኒስትር ከምዝገለፀኦ፤ ዓብዪ ጉያ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገርና ስፖርት ቱሪዝም ንክጉልብትን ንኸቢብን ልዑል ዕድል ዝፈጥር ፍፃመ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ፍፃመታት ቱሪዝም ስፖርት ብምስታፍ ልዑል ረብሓ ክትረክብ እትኽእለሉ ሰፊሕ ዓቕሚ ከምዘለዋ እውን ገሊፀን።

ከም ዓብዪ ጉያ ዝበሉ ፍፃመታት ኢትዮጵያውያን መንነቶምን ክብሮምን ዘንፀባርቑሉ፣ ከምኡ እውን ዜጋታት ብመንፈስ ጠንካራታትን ብኣካል ጥዑያትን ንክኾኑ ዘተባብዑ ምዃኖም ኣመልኪተን።

እተን ሚኒስትር ተሳተፍቲ እቲ ጉያ ብምዝዛም፣ እቲ ውድድር ካብ ኣፍሪካ ሓሊፉ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዝዓበየ ናይ 10 ኪሎ ሜትሮ ጉያ ንክኸውን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሞም ከበርክቱ ፃውዒት ኣቕሪበን።

ናይ 2019 ዓ.ም ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመፅእ ሰንበት 13 ሕዳር 2019 ዓ.ም ኣብ መስቀል ኣደባባይ 60 ሺሕ ተሳተፍቲ ብምስታፍ ክካየድ እዩ።

ብወርቅነህ ጋሻሁን

Comments (0)
Add Comment