ንስጉምቲታት ሰላምን ልምዓትን መንግስቲ መደመር ዝኸሓዱ ውንጀላታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ መደመር ናይ ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ሃረርታን ዘላቒ ረብሓን ወለዶ እውን ዘገናዘቡ ስራሕቲ ልምዓት እናካየደ፤ ንኢትዮጵያ ናብ ልዑል ብራኸ እናመርሐ ይርከብ።

እዚ ጉዕዞ ልምዓት ንኢትዮጵያውያንን ንኹሎም ፈተውቲ ኢትዮጵያን ፅቡቕ ጅማሮ እኳ እንተኾነ፤ ካብ ህዝቢን ሃገርን ብምስራቕ ንባዕሎም ምጥራይ ንዝለመዱ ጥቕመኛታትን ፀላእቲ ኢትዮጵያን ግና መርድእ ምዃኑ ርጉፅ እዩ።

ከም ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝበሉ ፀረ ህዝቢ ሓይሊታት፣ ዕቤት ኢትዮጵያን ምምሕያሽ ህይወት ህዝብታታን ክርእዩ ከለዉ ዓይኖም ይቐይ፤ ስለዚ እዮም ድማ ኣብ መሬት ካብ ዘሎ ሓቂ ብዝተፃረረ መንገዲ መሰረት ዘይብሎም ውንጀላታትን ክሲን ዘስምዑ።

እቲ ጉጅለ ንህዝቢ ትግራይ ካብ መንግስቲን ካብ ካልኦት ኣሕዋት ህዝብታትን ንምንፃል ብምሕሳብ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንህዝቢ ትግራይ ፅልኢ ከምዘለዎም ኣምሲሉ ዘቕርቦም ናይ ሓሶት ክስታት ናይዚ መርአያ እዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብኣንፃሩ ከም ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ህዝቢ ትግራይ እውን ብማዕረ ክለምዕን ብሓባር ክዓቢን ኣለዎ ኢሎም ብፅኑዕ ከምዝኣምኑ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝገበሩዎም መደረታትን ዝፈፀሙዎም ተግባራትን ህያው መርትዖታት እዮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝገበሩዎም መደረታት እቲ ህዝቢ ሰላምን ልምዓትን ዝደሊ፣ ምስ ካልኦት ወገናቱ ብምትሕብባር ክዓቢን ክለምዕን ዝደሊ ምዃኑ ካብ ምምስካር ተቖጢቦም ኣይፈልጡን።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ እታ ሃገር ንጡፍ ተዋሳኣይ ክኸውን ከምዘለዎ እውን ደጋጊሞም ተዛሪቦም እዮም።

እዞም መደረታት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ህዝቢ ትግራይ ኣብ መፃኢ ዕድል ሃገሩ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ብሓባር ንክዓቢን ኣብ ምውሳን ናይ ባዕሉ ግደ ንኽፃወትን ዝህልዎ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ዝሃቡን ህዝብታት ዘራኽቡን እዮም።

Comments (0)
Add Comment