ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 18፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ሎሚ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 6 ሰባት ሓሊፉ።
ኣብቲ ክፍለ ከተማ ወረዳ 11 ፍሉይ ቦታ ከባቢ ቅድስት ኪዳነ ምሕረት ቤተክርስቲያን ብዘጋጠመ ሓደጋ ካብቶም ዝሞቱ ሰባት ብተወሳኺ ካልኦት ሰባት እውን ከቢድን ቀሊልን ኣካላዊ ጉድኣት ከም ዝወረዶም ዋና መምርሒ ፖሊስ እታ ከተማ ገሊፁ።
ሎሚ ንግሆ ሰዓት 1፡50 ካብ ኮዬ ፈጨ ናብ ጎሮ እናተጓዓዘ ዝነበረ ሚኒባስ ተሽከርካሪ ኣብቲ ዝተገለፀ ከባቢ ኣብ ስራሕ መንገዲ ዝነበረ ስካቫተር ማሽን መኩዓቲኡ ወዲቑዎ ኣብቲ ታክሲ ዝነበሩ ተጠቀምቲ መጓዓዝያ 6ቲኦም ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።
ካብቶም ዝሞቱ ሰባት ብተወሳኺ ኣብ ታክሲ ዝነበሩ ተሳፈርቲ ከቢድን ቀሊልን ኣካላዊ ጉድኣት ስለ ዝበፅሖም፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕክምናዊ ክትትል እናተገበረሎም ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።
መንቀሊ እቲ ሓደጋ እውን እናተፃረየ ምዃኑ ፖሊስ ኣፍሊጡ።