ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል መስቀል ዳሜራ ንተሽከርከርቲ ዝዕፀዉ መገድታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ዝኽበር በዓል መስቀል ዳሜራ ምኽንያት ብምግባር ንተሽከርከርቲ ዝዕፀዉ መገድታት ዕላዊ ተገይሮም።

ብመሰረት እዚ ካብ 16 መስከረም 2019 ዓ.ም ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ክሳብ መወወዳእታ እቲ በዓል፦

👉 ካብ 22 ማዞሪያ ናብ ኣደባባይ መስቀል ኣብ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ኣደባባይ ቅዱስ ዑራኤል፣

👉 ካብ ቦሌ ኤርፖርት ናብ ኣደባባይ መስቀል ኣብ ደንበል ወይ እውን ላዕልን ታሕትን ኦሎምፒያ፣

👉 ካብ ጎፋ መሕደሪ ታቦት ናብ ለገሃር ኣብ ቂርቆስ ቤተ ክርስቲያን መብራት መስቀለኛ፣

👉 ካብ ኣደባባይ ሜክሲኮ ናብ ኣደባባይ መስቀል ኣብ ለገሃር መብራህቲ፣

👉 ካብ ለገሃር ቴሌ ናብ ስታዲየም ኣብ ክቢ ህንፃ ንግዲ ባንኪ መስቀለኛ፣

👉 ካብ ቸርቸል ጎደና፣ ብኣምባሳደር ናብ ኣደባባይ መስቀል ኣብ ሃራምቤ መብራት፣

👉 ካብ ኣራት ኪሎ ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ናብ ኣደባባይ መስቀል ኣብ ብሔራዊ ቤተ መንግስቲ መስቀለኛ፣

👉 ካብ መብራት ካዛንቺስ ናብ መስቀለኛ መቅረዝ ሆስፒታል ዝወስዱ መንገድታት ንተሽከርከርቲ ዕፁዋት ስለዝኾኑ፤ ኣሽከርከርቲ ኣማራፂ መገዲታት ክጥቀሙ ከምዝግባእ ዋና ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ፅባሕ ካብ ዋጋሕታ ሰዓት 12 ጀሚሩ ኣብቶም ዝተፀርሑ መገዲታት ንሓፂር ይኹን ንነዊሕ እዋን ተሽከርካሪ ጠጠው ኣቢልካ ምኻድ ተኸልኪሉ ኣሎ።

ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ፖሊስ ንምርካብ ይኹን ሓበሬታ ንምሃብ 01-11-11-01-11 ን 990 ናፃ መስመራት ስልኪ ክጥቀም ከምዝኽእል እውን ተሓቢሩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment