ኣብ ክልል ኦሮሚያ ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2018 ዓ.ም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዞባ ጅማ ወረዳ ሶኮሩ ብዕሊ ተጀሚሩ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ጌቱ ገመቹ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኣብቲ ክልል ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ካብ ዝትከሉ ፈልሲታት 11 ሚኢታዊ ዝኾኑ ንምግብነት ዝውዕሉ ኢዮም፡፡

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት 28 ቢሊየን ፈልሲታት ተተኺሎም 85 ሚኢታዊ ከምዝፀደቑ ብምዝኽኻር፥ በዚ ድማ ሽፋን ደኒ እቲ ክልል ካብ 17 ሚኢታዊ ናብ 29 ሚኢታዊ ዓብዩ ኢሎም፡፡

ብወርቅኣፈራው ያለው

Comments (0)
Add Comment