ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቻይና ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመላ መርከብ ዝተጎድአ ሰብ የለን ኢላ፡፡
ኣሜሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ኲናት ካብ ዝጅምራ ንደሓር ኣብ ልዕሊ መርከብ ቻይና መጥቃዕቲ እንትፍፀም እዚ ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ሊን ጂያን ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ በዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ዝበፅሐ ጉድኣት የለን፡፡
ዓለም ለኸ መራኽብ ነዳዲ ኣብ ዝንቀሳቐሳሉ ወሽመጥ ሆርሙዝ ብዙሓት ነዳዲ ዝፀዓና መራኽብ እናተፈፀሙ ዝርከቡ መጥቃዕቲታትን ዕግታታትን ዘተሓሳስቡ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡
እቲ ወሽመጥ ክፍቲ ክኸውንን ምንቅስቓስ መራኽብ ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ክሳለጥን ናይ ኩለን ሃገራት ዓለም ድሌት ከምዝኾነ እውን እቶም ኣቐባሊ ቃል ገሊፆም፡፡
ብኣቤል ነዋይ