ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ናይ ኢንዱስትሪ ሰላም ንምፍጣር ብዙሓት መመሓየሺታት ተገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ሰብ ተኮር ብዝኾኑ ስራሕቲ ሪፎርም ናይ ኢንዱስትሪ ሰላም ንምፍጣር ብዙሓት መመሓየሺታት ተገይሮም ኢሉ ሚኒስቴር ክእለት፡፡ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ብብርኪ ዓለም ንመበል 137 ግዘ ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 51 ግዘ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ኮንፌዴሬሽን ማሕበራት ሰራሕተኛታትን ኢትዮጵያን ኮንፌዴሬሽን ማሕበራት መስራሕቲን ብምትሕብባር ዝቕፅል ዓርቢ ክኽበር ኢዩ።

እቲ ዕለት “መሰል ሰራሕተኛ ምኽባር ንኢንዱስትሪ ሰላምን መፍረያይነትን መሰረት ኢዩ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ክኽበር፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ስራሕን ክእለትን ዳንኤል ተሬሳ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ብድምቀት ንምኽባር ምድላው ከምዝተገበረ ብምግላፅ÷ ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚ ሃገር ሰራሕተኛ ዘለዎ ግደ ኣፍልጦ ንመሃብ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ሰብ ተኮር ብዝኾኑ ስራሕቲ ሪፎርም ናይ ኢንዱስትሪ ሰላም ንምፍጣር ብዙሓት መመሓየሺታት ከምዝተገበሩ ኣመልኪቶም።

ፕሬዚዳንት ኮንፌዴሬሽን ማሕበራት ሰራሕተኛታትን ኢትዮጵያ ካሳሁን ፎሎ ብግደኦም÷ ሰራሕተኛታት ምቹው ዝኾነ ከባቢ ስራሕ ክህልዎም ከምዝግባእ ብምሕባር እዚ ድማ ናይ ኢንዱስትሪ ሰላም ብምርግጋፅ መፍረያይነት ዝውስኽ ኢዩ ኢሎም።

ብዘመን በየነ

Comments (0)
Add Comment