ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዲጂታል ዓለም ዝጀመርናዮ ታሪኻዊ ምዕራፍ መዛዘሚ ጉዕዞና ዘይኮነስ፣ ሃገራዊ ራእይና ብዝያዳ ንምቅልጣፍ መበገሲ እዩ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ሰለስተ ዓመት ክዕወት ተሓሲቡ ዝተተለመ ሸቶ ኣብ ትሕቲ ክልተ ዓመት ክዕወት ተካኢሉ እዩ ኢሎም።
“5 ሚሊየን ኢትዮጵያውያን ኮደራት” ብ16 ሓምለ 2016 ዓ.ም ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ 5,005,146 ሰልጠንቲ ተመዝጊቦም ልዕሊ 3 ሚሊየን ድማ ብኮምፒዩተር ፕሮግራሚንግ፣ ዳታ ትንተና፣ ኣንድሮይድ ሶፍትዌር ዲቨሎፕመንት ከምኡ እውን መሰረታዊ ትምህርቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ስልጠና ዛዚሞም ክብሉ ገሊፆም።
እዚ ዓወት እዚ ምስክር ቆራፅነትን ወሰን ኣልቦ መረጋገፂ ዓቕሚ ህዝብና እዩ ብምባል፤ እዚ ኣብ ዲጂታላዊ ዓለም ክንዳለወሉ ዝጀመርና ታሪኻዊ ምዕራፍ፣ መወዳእታ ጉዕዞና ዘይኮነስ፣ ሃገራዊ ራእይና ዝያዳ ንምቅልጣፍ መበገሲ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡
በዙይ እውን ክሳብ ነሓሰ 2018 ዓ.ም ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣካል ናይዚ ሃገራዊ ተልእኾ ኮይኑ ክሳብ 2025 ናብ 7 ሚሊየን ንምብፃሕ ዝዓለመ ሸቶ ክወቅዕ ፀውዒት የቕርብ ኢሎም።
ንመንእሰያት ተምሃሮና፤ ዝመፅእ ሓጋይ ዓቢ ዕድልኩም እዩ ብምባል፤ ግዜኹ ከይኣጥፋእኹም፤ ናብ ክፍልኹም ምስ ተመለስኩም ተማሃሮ ጥራይ ዘይኮንኩምስ ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዎም ዲጂታላዊ መራሕቲ ምእንቲ ክትኮኑ ክትምዝገቡን ክትመሃሩን ከተሓሳስበኹም ይደሊ ኢሎም፡፡
እቶም ስልጠናታት ምሉእ ብምሉእ ነፃ እንትኾን፤ እቶም ምስክር ወረቐት ድማ ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዎ ኣረዲኦሞ።
ንምምዝጋብ እዚ ይፅዓኑ: