ኣብ ጎንደር ማንታ ህፃናት ሓቚፈን ድምፂ ዝሃባ ኣዴታት

ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ መረፅቲ ድምፆም እናሃቡ ይርከቡ።

ወይዘሮ ማስተዋል ኣበራ ማንታ ህፃናት ሒዘን ኣብ ከተማ ጎንደር ጣቢያ መረፃ መድን ድምፀን ሂበን።

ወይዘሮ ማስተዋል ከምዝገለፀኦ ዋላ እኳ ማንታ ቆልዑት ሓቚፍካ ንመረፃ ሰልፊ ምሓዝ ኣድካሚ እንተኾነ ኣብቲ መረፃ ድምፀን ምሃበን ልዕሊ ውልቀ ድኻም ክብ ዝበለ ረብሓ ኣለዎ ኢለን።

ካሊእ ክልተ ህፃናት ደቀን ሒዘን ድምፂ ዝሃባ ኣዶ ወይዘሮ ፀሃይ ረታ እቲ መረፃ ንህፃናት ደቀን ዝጠቅም፣ ንፅባሕ ዕድል ወሳኒ ስለዝኾነ ብምግንዛብ ድምፀን ከምዝሃባ ተዛሪበን።

#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያትመርፅኣላ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል #Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision

Comments (0)
Add Comment