ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ በዓል ኢሬቻ 2019 ዓ.ም ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፅሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ኣይተ ሽመልስ ኣብ መልእኽቶም፤ በዓል ኢሬቻ ናይ ምስጋና፣ ዕርቂ፣ ይቕሬታን ምትሕስሳብን ህዝቢ ኦሮሞ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።
ኢሬቻ ናይ ምስጋና በዓል ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ሰብን ፈጣሪን፣ ሰብን ተፈጥሮን፣ ሰብን ሰብን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ወለዶታትን ዘሎ ርክብ ዘጠናኽር ድልድል ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ በዓል ዝተፈላለየ ባህሊ፣ እምነትን ቋንቋን ዘለዎም ተሳተፍቲ ብምእካብ ምልክት ሓድነት፣ ምትሕስሳብ፣ ምርድዳእን ሰላምን ኮይኑ ኣሎ ኢሎም።
ኢሬቻ ካብ ባህላዊ ስርዓት ሓሊፉ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ክብሪ ብምዃኑ፤ ነቲ ባህሊ ብምሕላውን ብምምዕባልን ምስ ዘበኑ ሓቢሩ ዝስጉም ከም ዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።
ኢሬቻ ኣብ ዓመት ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ኣኽቢርካ ምሕላፍ እኹል ኣይኮነን፤ ኣብቲ በዓል መፅናዕቲን ምርምርን ምክያድ፣ እቲ ስርዓትን ባህሊን ምምዝጋብን ወለዶ ክመሃርምግበራን ከምዘድሊ ኣመልኪቶም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኢሬቻ ምስ ዘበናዊ ጥበብ፣ ቋንቋን ቴክኖሎጂን ብምትእስሳር ንዓለም ምፍላጥ ከም ዝግባእ ገሊፆም።
ባህሊን ልምዲን ካብ ሓደ መዓልቲ ፍፃመ ሓሊፎም ፍልፍል ፍልጠት፣ ፈጠራ፣ ሓድነትን ዓቕሚ ወለዶን ንኽኾኑ ኩሉ ሰብ ዝግበኦ ሓላፍነት ክዋፃእ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።
መንግስቲ እቲ ክልል ባህሊ ኦሮሞ ንምምዕባል፣ ኣብ ዘፈራት ኢኮኖሚ፣ ፍልጠት፣ ስነ-ጥበብ፣ ባህሊ፣ ሚድያን ርክብን ብዙሓት ስራሕቲ እናካየደ ከም ዝርከብ ኣመልኪቶም።
ኢሬቻ ሓዊሱ ካልኦት ናይ ኦሮሞ ህዝቢ ህዝባዊ ስርዓታት ኣብ ዩኔስኮ ንኽምዝገቡ ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣረጋጊፆም።
ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ በዓል ኢሬቻ ናይ ሰላም፣ ሓጎስን ምትሕስሳርን ክኸውን ትምኒቶም ገሊፆም።