ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ብማዕረግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራሕ በዓል ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፅሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ መልእኽቶም፤ ኢሬቻ ንክብሪታት ሓቢርካ ምንባር፣ ሰላም፣ ምክብባር፣ ዕርቂን ፅኑዕ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ዘጉልህ ዓብዪ ባህላዊ መድረኽ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።
እቲ በዓል ንሰላም፣ ብሄራዊ ሓድነትን ምዕባለን ሃገርና ብዝበለፀ ንኽንፅዕር ዓብዪ ምንቕቓሕ ዝፈጥር ክኸውን ይምነ ኢሎም።