ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ልምዓት ኖርዌይ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣14 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣማኻሪ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ልምዓት ኖርዌይ ኦስሙንድ ኦክሩስት ተዛቲዮም።

ኣብ ዘትኦም ኣብ ሱዳንን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝርከባ ሃገራትን ዘለዉ ጉዳያት ሰላምን ድሕነትን ብዝምልከት ብዕምቆት ተዛትዮም።

ኣብ ሱዳን ዘላቒ ሰላም ንምስፋን ዝግበሩ ዝተዋደዱ ፃዕርታት ንምጥንኻር እውን ሓሳባት ከምዝተለዋወጡ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣመልኪቱ።

እቲ ዘተ ድማ ኣብ መበል 81 ሓፈሻዊ ስሩዕ ጉባኤ ጎና ጎኒ ሕቡራት መንግስታት እዩ ተኻይዱ።

 

Comments (0)
Add Comment