ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መንጎ ፕረዚዳንታት ኮፕ31ን ኮፕ32ን ዘሎ ምትሕብባር ዝያዳ ንምጥንኻር ዘኽእል ክልተኣዊ ዘተ ተኻይዱ።
ተመራፂ ፕረዚዳንት ኮፕ32 ጌድዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ፕረዚደንት ድርድር ኮፕ31 ክሪስ ቦወን ጎድና ጎድኒ እቲ ዋና ጉባኤ ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዶም።
ጌድዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን፤ ኮፕ31 ይምረሐሉ ንዘሎ ኣገባብ ብምንኣድ ብፍላይ ግልፅነት ዝመልኦ ኣሰራርሓ ምህላዉ፣ ቀዳማይ ረቂቕ ናይ መደምደሚ ውሳነ ዝወፅአሉ ቅልጣፈ እዋን፣ ከምኡ እውን ክሳብ ሕዚ ዝተመዝገቡ ዘተባብዑ ውፅኢታት ብምፅራሕ ኣድኒቖም።
ኢትዮጵያ እቲ ጉባኤ ብዓወት ንኽዛዘም ዘለዋ ድጋፍ ደጊሞም ብምርግጋፅ፤ ኮፕ31 ንዝቕፅል ጉባኤ ኮፕ32 መሰረት ዝኸውን ጥንኩርን ግልፂን ውፅኢት ሒዙ ከምዝዛዘም ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።
ፕረዚዳንት ድርድር ኮፕ31 ክሪስ ቦወን ብወገኖም፤ ኢትዮጵያ ንኣጀንዳ ትግበራ ኤሌክትሪፊኬሽን እናገበረቶ ብዘላ ሓገዝ ምስጋና ብምቕራብ፤ ነዚ ተበግሶ ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ንምስግጋር ዘለዎም ቆራፅነት ኣረጋጊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣውስትራልያ ጉባኤ ኮፕ32 ብዓወት ንምክያድ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ንምስራሕን ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባርን ድልውቲ ምዃና ገሊፆም።