ፎረም ልምዓት ንግዲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ፎረም ልምዓት ንግዲ ኣፍሪካ ዝቕፅል ሰኑይን ሰሉስን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ ኢለን ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሃብረቢ።

እተብ ሚኒስትር ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፤ እቲ ፎረም “ወፃኢ ንግዲ  ኣፍሪካ ብፅሬት ምህናፅ” ብዝብል መሪኽ ኻሳብ ክካየድ እዩ ኢለን።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዘመዝገበቶም ውፅኢታት ኢኮኖሚ መተኣናገዲት እቲ ፎረም ንክትኸውን ከምዘኽአላ እውን ኣብቲ መግለፂ ሓቢረን።

ኣብ ትሕቲ ማእቐፍ እቲ ፎረም ዝተፈላለዩ ምርኢታት፣ ፓነል ዘተታትን ምስ ንግዲን ቢዝነስን ዝተኣሳሰሩ ጎናዊ ስምምዓትን ዘተታትን ከምዝካየዱ ገሊፀን።

ዋና ዳይሬክተር ትሬድ ማርክ ኣፍሪካ ዴቪድ ቢር ብወገኖም፤ ዋና ትኹረት እቲ ፎረም ተወዳዳራይነት ንግዲ ኣፍሪካ ምዕባይ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

እዚ ንምዕዋት ድማ ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ ፅሬት ፍርያት፣ ኢንቨስትመንትን ዞባዊ ምትሕብባርን ዝግበሩ ፃዕርታት ብዝተዋደደ መንገዲ ምጥንኻር ከምዘድሊ ኣብሪሆም።

እቲ ፎረም ብምትሕብባር ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ከምኡ እውን ትሬድ ማርክ ኣፍሪካ ዝዳሎ ኮይኑ፤ ካብ ኬንያ፣ ጅቡቲ፣ ናይጀርያ፣ ሶማልያን ኡጋንዳን ሓዊሱ ካብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ሚኒስትራት ንግዲን ተዋሳእቲ እቲ ዓውድን ክሳተፉ እዮም።

ብተወሳኺ፣ ትካል ልምዓት ኢኮኖሚ ሕቡራት መንግስታት ምስ ትሬድ ማርክ ኣፍሪካ ብምትሕብባር ዘዳለዎ “ትረስት ኢን ትሬድ” ዝተሰየመ ኣህጉራዊ ፀብፃብ ኣብ እዋን ፎረም ዕላዊ ከምዝግበር ተሓቢሩ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብፌቨን ቢሻው

Comments (0)
Add Comment