ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ምስ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ሸፊቶም ዝነበሩ ልዕሊ 200 ዕጡቓት ኣማራፂ ሰላም ብምቕባል ኢዶም ሂቦም።
እቶም ዕጡቓት ኣብታ ወረዳ በረኻ ከባቢታት ተዋፊሮም ዝፀንሑ እንትኾኑ፤ ዝተፈጠረሎም ኣጋጣሚ ሰላም ብምይቃም ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢዶም ሂቦም።
ናብ ስሩዕ ሰላማዊ ህይወቶም ንምምላስ ምውሳኖም ስዒቡ፤ ብኣመራርሓ እቲ ዞባን ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ኣቀባብላ ተገይሩሎም፡፡
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እዚ ሰሜን ምዕራብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኮሎኔል ተስፋዬ ኤፍሬም ኣብቲ እዋን፤ እቶም ዕጡቓት መገዲ ጥፍኣት ሓዲጎም ሰላም ብምምራፆም ንኢዶም።
ብኣሸናፊ ሽብሩ