ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ፤ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍልስፍና መደመር ሃገር በቆል ዓቕሚ ብምውዳብ፣ ዝሓለፉ ዓወታት ብምቕፃልን ስሕተታት ብምእራምን ዝተማለአን ዘላቒን ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምምፃእ ዝዓለመ እዩ።

ኣብዚ ኣረኣእያ እዚ ንስግግር ኢኮኖሚ ሓንቲ ሃገር ቁልፊ ካብ ዝኾኑ ዓውዲታት ሓደ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ቀዳማይ ቦታ ይሕዝ።

መንግስቲ መደመር ኣብ ዘፈር ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ዘተኣታተዎ ዋና ተሞክሮ፣ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዝተብሃለ ሃገራዊ ጎስጓስ እዩ።

እዚ ጎስጓስ ማሕለኻታት ዓውዲ ኢንዱስትሪ ብምፍላይን መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባርን ኩለመዳይ ውፅኢታት ከመዝግብ ክኢሉ።

ቅድም ክብል ካብ ወፃኢ ብልዑል መጠን ሸርፊ ወፃኢ ይኣትዉ ዝነበሩ ፍርያታት ጨርመርቂ፣ ሲሚንቶ፣ ሓፂነ መፂን፣ ምግቢን መስተን ከምኡ እውን መድሓኒት ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ክዓቢ ተገይሩ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ጉድለታት መሰረተ ልምዓትን ጥረ ኣቕሑን ዓቕሚ ምፍራየን ተዳኺሙ ዝነበረ ብዙሓት ፋብሪካታት ናብ ምሉእ ዓቕሚ ምፍራይ ክምለሳ ዝተዋደደ ሓገዝ ተገይሩለን እዩ።

ብራኢ መደመር ኢንዱስትሪታት ብተበታተነ ኩነታት ካብ ምህናፅ ብዝበለፀ ዝሓሸ መሰረተ ልምዓትን ማእኸላት ኣገልግሎትን ኣብ ዘለዎም ፓርክታት ኢንዱስትሪን ፍሉያት ዞባታት ኢኮኖሚን ምውዳብ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ እዩ።

ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢንቨስተራት ወፃኢ ኣብ ምስሓብ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ ኣብ ምምፃእን ናብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ዝለኣኹ ፍርያታት ኣብ ምብዛሕን ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።

ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ እዞም ኢንዱስትሪታት ድማ ንመናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ዕድላት ስራሕ ተፈጢሮም።

ሕርሻ ምስ ኢንዱስትሪ ንምትእስሳር ብዝተሃንፁ ዝተዋደዱ ፓርክታት ኣግሮ-ኢንዱስትሪ ኣቢሉ ናይ ውሽጢ ሃገር ፍርያት ሕርሻ እታወት ተወሲኽዎም ንዕዳጋ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ክቐርቡ ተገይሩ እዩ።

ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ብዘይ ንጡፍ ተሳትፎ ውልቀ ዘፈር ክዓቢ ከምዘይኽእል ኣብ ፍልስፍና መደመር ይእመነሉ። በዚ ምኽንያት ድማ ንውልቀ ዘፈር ዘበረታትዑ ብዙሓት ስጉምትታት መዋቕርን ፖሊሲን ተወሲዶም እዮም።

ካብዞም ስጉምትታት ሓደ ድማ ንዘፈር ኢንዱስትሪ ቀዳምነት ዝህብ ቀረብ ልቓሕን ኣሰራርሓ ክፍፋል ሸርፊ ወፃኢ ንምምሕያሽ ዝተገበረ ፃዕሪ እዩ።

ኣሰራርሓታት ንግዲ ፍቓድ፣ ጉምሩክን ግብሪን ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ንሰብሃፍቲ ምቹው ሃዋህው ንግዲ ንምፍጣር ስራሕቲ ተኻይዶም እዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ እኹል ቀረብ ሓይሊ ንምርግጋፅ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ከም ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ፕሮጀክትታት ዝሕደሱ ቀረባት ሓይሊን ብተወሳኺ ኣማራፂታት ሎጂስቲክስ ክሰፍሑ ተገይሩ እዩ።

ብመንግስቲ መደመር ዝተኻየዱ ስራሕቲ ንዓውዲ ምፍራይ ኢትዮጵያ ታራ ኣቕራቢ ጥረ ኣቕሑ ካብ ብምዃን ሓሊፉ እታወት ብምውሰኽ ናብ ምፍራይ ስግግር ንኽገብር መሰረት ኣንቢሮም እዮም።

ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪን ምስፋሕ ፓርክታት ኢንዱስትሪን ኣተውቲ ፍርያታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምትካእ ፅዕንቶ ሸርፊ ወፃኢ ልዑል ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።

ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ሕዚ ዘለዎ ጉዕዞ ዕቤትን ስግግርን ክቕፅሉ ምግባር እንተተኻኢሉ፤ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪፃዙዝ ግደ ክህልዎ እዩ።

ብመልካም ፈቃዱ

Comments (0)
Add Comment