ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍኤምሲ)ኣፍሪካውያን ፈጠርቲ ትሕዝቶ ማሕበራዊ ሚዲያ ትኽክለኛ ምስሊ እታ ኣህጉር ንዓለም ኣብ ምፍላጥ ከም ኣምባሳደር እናገልገሉ ይርከቡ።
ጉባኤ ፈጠርቲ ፅዕንቶ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣፍሪካ ብምትሕብባር ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ (Pulse of Africa-POA) ምስ ኢንተርፕራይዝ ቴክኖሎጂ ኤ.ጂ.ኤ (AGA-Tech) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ክካየድ ኢዩ።
“ፅዕንቶ ፈጠርቲ ንዝሐሸት ኣፍሪካ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ንምስታፍ ፈጠርቲ ትሕዝቶ ማሕበራዊ ሚዲያ እታ ኣህጉር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።
ፈጠርቲ ፅዕንቶ ማሕበራዊ ሚዲያ እታ ኣህጉር፣ መውፃእቲ ፖሊሲ፣ ዳያስፖራታትን ተዋሳእቲ ዘፈር ውልቀን ናይ ነዊሕ እዋን ምትሕብባር ዝፈጥሩሉ እዙ መድረኽ ትኽክለኛ ያታ ኢትዮጵያ ኢሉ እውን ኣፍሪካ ንዓለም ንምፍላጥ ወሳኒ ኢዩ።