ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መርሃ ግብሪ 35 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ካብ ሜድኣ ወፃኢ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኤቨርተን ክትገጥም ኢያ።
ሎሚ ምሸት ሓዊሱ ክልተ ፀወታታት ኣብ ኢዳ ተሪፍዋ ዘላ ማንቼስተር ሲቲ ምሰ ኣርሰናል ዘጋጠማ ናይ 6 ነጥቢ ፍልልይ ንምፅባብ ናብ ሜዳ ክትኣትው እያ።
ኣብ ቀፃሊ ዓመተ ውድድር መድረኽ ኣውሮፓ ተሳትፎ ንምርካብ እናተነሓነሐት እትርከብ ኤቨርተን በወገና ንማንቼስተር ሲቲ ቀሊል ተጋጣሚት ከምዘይትኾን ትፅቢት ይግበር፡፡
እቲ ፀወታ ኣብ ሓድሽ ስታድየም ሂል ዲኪንሰን ምሸት ሰዓት 4 ክካየድ እዩ።
ኣብቲ መራሃ ግብሪ ፀወታ ሊግ ንኣሰልጣኒኣ ብምስጓግ ተናሓናሕቲ ፋፀመ ፅዋዕ ኤፍ.ኤ.ካፕ ብምኳን ዘረጋፀት ቼልሲ ኣብ ስታንፎርድ ብሪጅ ኖቲንግሃም ፎረስትን ከተአንግድ እያ።