ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ሓዱሽ ካቢኔ መንግስቲ መደመር ብፍትሓውነትን ሓቋፋይነትን ንምውዳብ ግዜ ተዋሂቡ ከም ዝተሰርሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 7ይ ዘበን ስራሕ 1ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣካይዱ።
ኣብቲ ስሩዕ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ንሑፅያት ኣባላት ካቢኔኦም ንቤት ምኽሪ ቤት ዘቕረቡ ኮይኖም፣ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝተላዕሉ ሓሳባት እውን ምላሽ መብርሂን ሂቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መብርሂኦም ዝተሸሙ ሚኒስትራት ንዝተዋህቦም ሓላፍነት ብግቡእ ክፍፅሙ ዝኽእሉ ምዃኖም ኣረዲኦም።
ሹመት ሚኒስተራት ብፍትሓውነትን ሓቋፋይነትን ንምውዳብ ግዜ ተዋሂቡ ከም ዝተሰርሐ ገሊፆም፡፡
ስልጣን ቆቢዕ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዝተሾመ ዝኾነ ሚኒስትር ንዝተዋህቦ ሓላፍነት ብግቡእ እንተዘይፈፂሙ ኣብ ዝኾነ ግዜ ካብ ሓላፍነቱ ክእለ ከም ዝኽእል ገሊፆም።
ሚኒስትራት ሕብረተሰብ ብግቡእ ክርድኡን ብፍትሓውነት ኣገልገልቲ ክኾኑን ከም ዝግባእ እውን ኣፅንዖት ሂቦም።
ዝተሸሙ ሚኒስተራት ካብ ስርቅን ግዕዝይናን ነፃ ምዃኖም ብምሕባር እዚ ድማ ብዝተፈላለየ መንገዲ ከም ዝተረጋገፀ ኣረዲኦም።
ብመላኩ ገድፍ