ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ.) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እቲ እንሰርሖ ዘለና ስራሕ ንኢትዮጵያ ብሓምላይ ምልባስ ኢዩ ኢሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ጎስጓስ ተኸላ 800 ሚልየን ፈልስታት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ብምስታፍ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንኢትዮጵያ ሓምለዋይ ንምልባስ ምሉእ ክረምቲ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ፃዕሪ ክገብሩ ፀኒሖም እዮም ኢሎም።
ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ፃዕሪ፥ ኢትዮጵያ ክትምዕብል፣ ክትምገብ፣ ክትልወጥ፣ ክትዓቢን ክትስልጥንን ኣለዋ ዝብል ሕልሚ ምዃኑ ገሊፆም።
“እንሰርሖ ዘለና ንደቅና እዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ተስፋ ኢና ንተክል ዘለና፤ ንኢትዮጵያ ኢና እነልብሳ ዘለና” ኢሎም ኣብ መልእኽቶም።
“ፈልሲ ንሎሚ ብዙሕ ትርጉም የብሉን፣ ንፅባሕ ግን ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ” ክብሉ እውን ኣብሪሆም።
ብሶስና ኣለማየሁ