ከተማነት ዘዕሰለ ልምዓት ከተማ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ልምዓት ከተማ ማለት ናይ ሓንቲ ከተማ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን መሰረተ-ልምዓታዊን ኩነታት ብምዝማን መንበሪን ከባቢ ስራሕን ነባሪ ህዝቢ ምቹእ ንምግባር ዝዓለመ ዝተዋደደ ከይዲ እዩ።

ኣብ ቅልጡፍ ምዕባለ ቁፅሪ ህዝቢ እትርከብ ኢትዮጵያ፥ ኣብዚ ግዜ ታሪኻዊ ዝተባህለ ለውጢ ለውጢ መዋቅርን ገፅታን ከተማታት ኣብ ምትእንጋድ ትርከብ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝመፅአ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ፥ ዓውዲ ልምዓት ከተማ ካብ ዝኾነ ግዜ ብላዕሊ ዓቢ ትኩረት ረኺቡ እዩ።

መንግስቲ ከተማታት ማእከላት ዕብየት፣ ቱሪዝምን ኢንቨስትመንትን ክኾና ዝጀመሮም ግዙፋት ፕሮጀክታት ፅባቐ እተን ከተማታት ብምሉእ ይቕይሩ ኣለዉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ዝተዘርገሐ ኮሪደር ልምዓት ኣብ ታሪኽ ልምዓት ከተማ ኢትዮጵያ ዓቢ ምዕባለ እዩ።

እቲ ኮሪደር ልምዓት ፀበብቲ ዝነበሩ መገድታት ብምስፋሕ ንትራፊክ ፍሰት ምቹ ክኾኑ ገብሩ።

ብተወሳኺ ዓለም ለኸ መዐቀኒ ዘማልኡ ሰፊሕቲ መገዲታት እግረኛ፣ መንገዲ ብሽክለታ ከምኡ’ውን ንኣካል ጉዳኣት ዝተሓሰበ መሰረተ-ልምዓት ተሰርሑ ።

ንነባሪ ከተማን በፃሕቲ ዓዲን ዝኾኑ ዘመናዊ ሸንቲ ቤታትን መዕረፊ መናብርን ኣብ ኮሪደራት ተበፃሕቲ ኮይኖም።

ከተማታት ምቹን ውቁባትን ናይ መንበሪ ከባቢታት ንምግባር ስትራቴጂካዊ ኣካል ዝኾኑ ብዙሓት ግዙፋት ፓርክታትን ሓምለዋ|ይ ቦታታትን ተሰርሑ ።

ኣብዚ ስራሕ ፓርክ ሓድነት፣ እንጦጦ፣ ሸገር ከምኡ’ውን ሳይንስ ሙዚየም ተሃኒፆም ንህዝቢ ክፉት ኮይኖም።

ቅደም ክብል መአከቢ ጓሓፋት ዝነበሩ ወሰን ወሓዝቲ ሩባታት ናብ ዝማዕረገን ዝፀበቐን መሀደሲታትን መስሕብ በፃሕቲ ዓዲን ተቐይሮም ።

ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር በቢዓመቱ ሚሊየናት ፈልሲታት ኣብ ከተማታት ብምትካሉ ክሊማዊ ለውጢን ሽፋን ሓምለዋይነትን ከተማታት ኣመሓይሹ።

ኣብ ፈጠራ ስራሕ ዕድልን ቀረብ ምግብን ብዙሕ ስራሕ ይሰራሕ ኣሎ። ከምኡ’ውን ኢንቨስትመንት መንበሪ ኣባይቲ ከተማታት ኣብ ምስፋሕ ባህጊ መንበሪ ኣባይቲ ነበርቲ ንምምላእ ይሰራሕ ኣሎ።

ዘመናዊ መሰረተ-ልምዓት ትራንስፖርት ንምዝርጋሕ፣ ፀገም ትራንስፖርት ህዝቢ ንምቅናስ ከምኡ’ውን ንሓለዋ ከባቢ ዝምቹእ ቴክኖሎጂ ንምስፋሕ ዝተገብሩ ስራሕቲ እውን ዕብየት ኣርእዮም እዮም።

ኣብ ልምዓት ከተማ ንሓለዋ ከባቢ ዝስማዕማዕ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲን ኣውቶቡሳትን ናብ ስራሕ ምእታው ተኻኢሉ።

ፍሰት ትራፊክ ብቴክኖሎጂ ንምምራሕ ዓሊሙ ቁፅፅር ስማርት ትራፊክ መብራህቲን ስርዓታት እውን ተዘርጊሖም እዮም።

ኣብ ከተማታት ኣገልግሎት ከተማ ንምቅልጣፍን ግዕዙይ ኣሰራርሓ ንምንካይን ዲጂታላይዜሽን በስፍሓት ይስራሕ ኣሎ።

መለለዪ ማንነት ነበርቲን ናይ መሬት ትሕዝቶ ምዝገባን ናብ ዲጂታል ሰርዓት ብምቕያሮም ኣገልግሎት ቀሊል ኮይኑ እዩ።

ኣብ ኣገልግሊት ሓደ ማእኸል ፍቓድ ንግዲ፣ ክፍሊት ግብሪን ካልኦትን ብኦንላይን ይወሃብ ኣሎ።

ብሓፈሻ ልምዓት ከተማ ፅባቐታት ከተማን ምቹውነትን ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ ንህዝቢ ናይ ስራሕ ዕድላት ፈጢሩ እዩ።

ልምዓት ከተማ ካብ ምቹውነትን ፅባቐን ብላዕሊ መለክዒ ምዕባለ ኢኮኖሚ እዩ፣ ስለዚ ብልዑል ጠመተን ትልሚን ይሰራሕ ኣሎ።

 

Comments (0)
Add Comment