ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ማእኸል ዕዳጋ ኩለመዳይ ለሚ ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይረን፡፡
እታ ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ “መንግስቲ ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ክፍፅም እዩ፤ ዘይስራሕ ቃል ኣይኣቱን” ኢለን።
እቲ ማእከል ምምሕዳር እታ ከተማ ዋጋ መነባብሮ ንምንካይ ዝያዳ ፍርያት ንምቕራብን ማእከላት ዕዳጋ ንምስፋሕን ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ሓደ ኣካል ምዃኑ ገሊፀን።
ማእከል ዕዳጋ ኩለመዳይ ለሚ ነታ ከተማ መበል 7ይ ኮይኑ፤ኣብ ቀንዲ ፅርግያ ሳሚት ዝርከብ እቲ ማእከል ነበርቲ ንኡሳን ከተማታት ለሚ ኩራ፣ ቦሌን ክፍለ ከተማ የካን ምህናፁ ገሊፀን።
221 ዘመናዊ ዝውዕዩን ዝዝሕልን መኽዘናት፣ ድኳናት ችርቻሮ፣ ሱፐርማርኬታትን መፍረታትን ዝሓቖፈ ማእኸል፣ ኣብ ሓደ እዋን 250 ተሽከርከርቲ ደው ዘብል መዕረፊ ኣውቶቡሳት ከምዘለዎ እተን ከንቲባ ሓቢረን።