ከንቲባ ኣዳነች ኣዲስ ኢኮ ኩሉ ዕላማ ዘለዎ ፓርክ መዘናግዒ ህዝቢ ስራሕ ኣጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣዲስ ኢኮ ኩሉ ዕላማ ዘለዎ ፓርክ መዘናግዒ ህዝቢ ሎሚ መሪቐን ንግልጋሎት ክፍቲ ገይረን፡፡
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ፤“ሎሚ ንከተማና ዝኸውን ተወሳኺ ናይ ኣዲስ ኢኮ ኩሉ ዕላማ ዘለዎ ህዝባዊ መዘናግዒ ፓርክ መሪቕና ንኣገልግሎት ከፊትና ኣለና” ኢለን።
ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ሰፈር ዝተሃነፀ ኣዲስ ኢኮ ብዙሕ ዕላማ ዘለዎ ህዝባዊ መዘናግዒ ፓርክ ብኣስኮ ዝፍለጥ ኣብ 30 ሽሕ ካሬ ሜትሮ ስፍሓት ዝዓረፈ ምኳኑ ሓቢረን።
እቲ ፓርክ ንህፃናት፣ መንእሰያት፣ ኣረጋውያን፣ ከምኡ እውን ሃብታማትን ድኻታትን ከይበለ ኩሎም ብሓባር ከስተማቕሩሉ ዝኽእሉ፣ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ከም ኣማራፂ መዘናግዒ ቦታ ኮይኑ ከገልግል እዩ።
ኣብ ውሽጡ ፋውንቴን፣ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ፣ መፃወቲ ህፃናት፣ ኣምፊ ቴያትር፣ ዘመናዊ ካፍቴሪያ፣ ድኳናት፣ ባር ፃማቝ፣ መዕረፊ መካይን፣ ዘመናዊ ሻወርን ሽቓቕን፣ ከምኡ እውን ሰፊሕ ናይ እግሪ መገዲ ሓዊሱ ብፅሬት ከምዝተሃንፀ ኣመልኪተን።
እቲ ቦታ ቅድሚ ሕዚ መጉሓፊ ጎሓፍ ከምዝነበረን ብዘይሕጋዊን ብዘይግቡእ ከምዝተጠቐመሉን ብምጥቃስ ሎሚ ብዙሓት ክብርታት ከምዝተወሰኸሉን ህዝቢ ብሓባር ክጥቀመሉ ዝኽእል መንፈስካ ዘሐድስን ፅሩይን ሃዋህው ፈጢሩ ኢለን።
Comments (0)
Add Comment