ኩለመዳይ ዓወታት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኣምር መደመር ዝተመስረተ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸን ዞባዊን መድረኻት ንዝተመዝገቡ ብዙሓት ዓወታት ዲፕሎማሲ መሰረት ዝገበረ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሉኣላውነታን ሃገራዊ ረብሓኣን ዝተመስረተ ተለዋዋጢን ንጡፍን ኣንፈት ዲፕሎማሲ ብምኽታል፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘጋጠሙዋ ዝተፈላለዩ ፈተናታት ብምስጋር ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ ክትከፍት ክኢላ እያ።

እዚ ዓወት ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ ዘለዋ ናይ ንግዲ፣ ኢኮኖሚን ፖለቲካን ተበፃሕነት ብዝበለፀ ክሰፍሕ ዝገበረ እንትኸውን፤ ድምፃ እውን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ብቀዳምነት ክስማዕ ኣኽኢሉ እዩ።

ካብ ዋና ዋና ታሪኻዊ ፍረታት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ሓደ ኢትዮጵያ ምሉእ ኣባል እኩብ ብሪክስ (BRICS) ምዃናን ኣብ ጉባኤታቱ ዘርአየቶ ዕዙዝ ተሳትፎን ቅድሚት ዝፅራሕ እዩ።

በዚ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ኣቢሉ ኢትዮጵያ ምስ ኣባል ሃገራት ዘለዋ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገንን ርክብ ዘጠናኸረት እንትትከውን፤ ንኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም እተካይዶ ፃዕሪ እውን ምሉእ ድጋፍ ክረክብ ገይራ እያ።

ምስ ህንዲን ሩሲያን ኣብ ዓውዲታት ትምህርቲ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ፣ ኣብ ኢንቨስትመንትን ዝሕደስ ሓይሊን ዝተገበሩ ስምምዕነታት ንነዊሕ እዋን ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ዘቀላጥፉ ስትራቴጂካዊ ስጉምቲታት እዮም።

ብብርኪ ዓለም ካብ ዝተመዝገቡ ዓወታት ብተወሳኺ፣ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ድማ ኢትዮጵያ መሰረተ ልምዓት፣ መስመራት መመሓላለፊ ሓይሊን ዶብ ተሳጋሪ ንግዲ ንምቅልጣፍ ዝሕግዙ ፕሮጀክትታት ብምዝርጋሕ ዞባዊ ምትእስሳር ቀዳመይቲ መራሒት ከምኾነት ኣረጋጊፃ እያ።

ኢትዮጵያ መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካን ማእኸል ፓን-ኣፍሪካኒዝምን ብምዃና፤ ከም ዓለም ለኸ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ፣ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካን ጉባኤ ስርዓት ምግቢ ሕቡራት መንግስታትን ዝበሉ ጉባኤታት ንምትእንጋድ ምምራፃ ዓለም ለኸ ተቐባልነት ኢትዮጵያ ዘርኢ እዩ።

ሃገራዊ ረብሓ ምስ ምሕላው ጎድና ጎድኒ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ብምጥንኻር፤ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ልዕሊ 131 ሺሕ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተገይሩ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ልዕሊ 160 ኣብ ዝኾኑ መድረኻት ኢንቨስትመንት ብምስታፍ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብምስሓብን ሓደሽቲ ምትእስሳራት ንግዲ ብምፍጣር ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲ ዕዉት ንኽኸውን ተገይሩ እዩ።

ብኣብርሃም ኣበራ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment