ካበ ዓድዋ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ – ብህልውናኣ ዘይትደራደር ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ መሰል ካብ ምሕላው ሓሊፋ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ መርአያ ኣይግዛእን ዓወትን፣ ተምሳሌት ናፅነት ዝኾነት ምድረ ቀደምት ሃገር እያ፡፡ ሉኣላዊነታ ብምድፋር ንዝመፅኡ አሕፊራ ናይ ምምላስ ድሙቕ ታሪኽ ዘለዋ፡፡

ኣብ ወራር ዓድዋ ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ዓወት ብምጉንፃፍ ናይ ባዕላ ሉኣላዊነት ካብ ምኽባር ሓሊፋ ንካልኦት ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ወራርቲ ንዝወደቓ ሃገራት ተምሳሌት ናፅነትን ዓወትን ምዃና ዓለም ዝመስከረላ።

ኲናት ዓድዋ መበገሲኡ ንኢትዮጵያ ብምትላል ንተገዛእነት ከቃልዓ ዝተሃንጠወ ፋሺስት ጣሊያን ዝገበሮ ስምምዕነት ዘይሓተቶ ውዕሊ ውጫሌ ዓንቀፅ 17 ነይሩ፡፡

ንብዙሓት እዋናት ግድብ ኣባይ ገዲባ ከይትጥቀም ዝተፈላለየ ኣጀንዳ ብምሕንጋጥ ኲናታት ንምልዓል ካብ ምስራሕ ጀሚሩ ንምሕማስን ንኢትዮጵያ ናይ ጎንፂ ዞባ ንምግባር ፀላእታ ይሰርሑ፡፡ ግብፂን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ኣባይ ልዕሊ 86 ሚኢታዊ ነቲ ሩባ ኣስተዋፅኦ ዘለዋ ኢትዮጵያ ዘየካተተ ስምምዕነት ገይሮም፡፡

ኢትዮጵያ ኣባይ ንምህናፅ ምሕሳብ ዝጀመረት ቀዲሞም ብዝነበሩ ነገስታት ይኹን እምበር፤ ኩነታትን ኣጋጣሚታትን ኣብ ዝፈቐዱላ እዋን ነቲ ግድብ ኣጀሚራ ብዘይ ናይ ወፃኢ ሓገዝ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ብደምን ረሃፅን ክትዛዝሞ ኽኢላ እያ።

በሪ ባሕራ ክትስአን ዝተገብረ እውን ብተመሳሳሊ ምስቲ ጉዳይ ታሪኻዊን ስነ-ልቦናዊን ቀጥተኛ ምትእስሳር  ዘለዎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘይኣመነሉ ከምኡ እውን እቲ ህዝቢ ብዘይወከሎም ኣካላት ዝተገብረ ስምምነት፣ ካብ ሕጊ ወፃኢ ብዝኾነ መገዲ ብረብሓ ምትእስሳር ዝተገብረ ኣካይዳ እዩ።

ውድቀት ኢትዮጵያ ዝደልዩ ሓይልታት ካብ ኣፍልጦ ህዝቢን ሃገርን ወፃኢ ዝኾኑ መጥፋእቲ ስምምዕነታት ብምግባር ነታ ሃገር እስርቲ ንምግባር ይፍትኑ፤ ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ኣብ ውሳነ ወሃባይነት ዘይተሳተፈትሉ ዝኾነ ይኹን ስምምዕነት ናይ ምቕባል ግቡእ ውሽጢ ኣትወድቕን። እኳደኣስ ብዘይግቡእ ንዝተኻየደላ ኩሉ ናይ ታሪኽ ፍትሒ ክተዕስል እያ።

ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ዘይኮነ ኣይትሓትትን፤ ነገር ግን ብሄራዊ ረብሓኣን ህልውናኣን ዝነኽኡ ጉዳያት ካብ ምልዓልን ሉኣላዊነታ ካብ ምኽባርን ንድሕሪት ኣይትብልን፡፡

ብቤተልሄም ግርማ

Comments (0)
Add Comment