ካብቶም 10 ንኡስ ጉጅለታት ዝፈልፈሉ ሓሳባት ተጠናኺሮም ነቶም 50 ኣባላት ጉጅለ ይቐርቡ ኣለዉ – መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)

ኣዲስ አበባ፣ 18 ሓምሌ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ካብቶም 10 ንኡስ ጉጅለታት ዝፈልፈሉ ሓሳባት ብኣከብቶምን ፀሓፍቶምን ኣቢሎም ናብ 50 ኣባላት ጉጅለ ምቕራብ ከምዝጀመሩ ኣብሪሆም።

እቶም ዋና ኮሚሽነር ብዛዕባ እቲ ከይዲ ዘተ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ ኣብቲ ሃገራዊ ጉባዜ ምኽክር ንዘተ ምቹው ንምግባር ኣብቶም 50 ተዛተይቲ ኣብ ዘለዉሉ ጉጅለ ተሳተፍቲ በቢ ዓሰርተ ኮይኖም እቲ ከይዲ ዘተ ብግቡእ እናካየዱ ምፅነሖም ኣልዒሎም።

ብመሰረት እዚ ሕድሕዶም 10 ኣባላት ዘለዉዎም ንኡሳት ጉጅለታት እናተዛተዩሎም ዝፀንሑ ብዙሓት ሓሳባት፣ ኣረኣእያታትን ትዕዝብቲታትን ካብ ምፍልፋል ሓሊፎም ናብ ምጥንኻር ከምዝተሰጋገሩ ተዛሪቦም።

እቶም ዋና ኮሚሽነር እዞም ብጥንቃቐ ዝተወደቡን ዝተጠናኸሩን ውፅኢታት ዘተ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኣከብቲን ፀሓፍቲን ንኡሳን ጉጅለታት ኣቢሎም 50 ተዛተይቲ ንዝሓዙዎም ጉጅለታት ብንቕሓት እናቐረቡ ከምርከቡ ኣብሪሆም።

እዚ ኣሰራርሓ ከካብ 10 ኣናእሽተይ ጉጅለታት ዝተለዓሉ ስግኣታትን ተስፋታትን ከይተነከዩን እንተይተበታተኑን፣ ነቶም 50 ጉጅለታት ውፁእን ጥንኩርን እታወት ንኽኾኑ ልዑል ኣበርክቶ እናበረከተ ይርከብ እውን ኢሎም።

ብሶስና ኣለማየሁ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment