ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ካብ መሸጣ ፍርያት ቡን 3 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ ኢሎም።
ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝትግበር ሃገራዊ ፓኬጅ መተግበሪያ ሰነድ ልምዓት ቡን ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ።
እቶም ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ፤ እቲ ፓኬጅ መተግበሪያ ሰነድ ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ቡን ዘለዋ ተረባሕነት ዘዕቢ ኢዩ።
ኣብቲ ዓውዲ ልዑል ምርምር ብምግባር ዝሐሸ ውፅኢት ንምምዝጋብ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ናብራ ሓረስቶት ንምምሕያሽ ብትኹረት ከምዝስራሕ ሓቢሮም።
ነዚ ድማ ናይ ሓደ ዓመት ቅድመ ትንበያ ዕዳጋ ተፀኒዑ ከምዝተዛዘመ ገሊፆም።
ፓኬጅ መተግበሪያ ሰነድ ልምዓት ቡን ካብ ሄክታር ዝርከብ ወሰኽ መጠን ፍርያት ቡን ዘኽእሉ መምርሒታት ዘካተተ ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ኣዱኛ ደበላ (ዶ/ር) ኢዮም።
እቲ ሰነድ ናብ ተግባር ምእታዉ ኣብ 2023 ዓ.ም ካብ ሄክታር ዝርከብ ፍርያት ቡን ካብ 8 ናብ 21 ኩንታል ንምዕባይ ከምዘኽእል ኣብሪሆም።
ብሄኖክ ለሚ