ካብ መቐለ ናብ ኩለን ከተማታት ክልል ትግራይ ዝግበር ኣገልግሎት ትራንስፖርት ናብ ስሩዕ ስራሕ ተመሊሱ‎

‎ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ መቐለ ብምብጋስ ናብ ኩለን ከተማታት ክልል ትግራይ ዝግበር ኣገልግሎት ትራንስፖርት ናብ ስሩዕ ስራሕ ተመሊሱ።

እቲ ኣገልግሎት ንመሃብ ዝተመደባ ካብ 24 ክሳብ 60 ተሳፈርቲ ዝሕዛ ማእኸለዎትን ዓበይቲን ኣውቶቡሳት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ስሩዕ ኣገልግሎት ኣትየን።‎

እተን ‎ተሽከርከርቲ ካብ መቐለ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ብምጉዓዝ ናብ መቐለ ንምምላስ ዘኽእለን ነዳዲ እናቛረበለን ኣገልግሎተን ክቕፅላ እየን።‎

‎ቢሮ ትራንስፖርትን መገዲን ካብ ዘይተገበአ ክፍሊት ንምክልኻልን ስሩዕ ኣገልግሎት ንምርግጋፅ ኣብ ኣፈፃፅማ ታሪፍ ክትትል ከምዝገብር ተሓቢሩ።

ብኣሸናፊ ሽብሩ

Comments (0)
Add Comment