ካብ ወፃኢ ንግዲ 10 ነጥቢ 7 ቢልየን ዶላር ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብ በጀት ዓመት 2018 ካብ ወፃኢ ንግዲ 10 ነጥቢ 7 ቢልዮን ዶላር ተረኺቡ ኢሉ።

ሚኒስቴሩ ምስ ተፀዋዕቲ ትካላቱ ብምትሕብባር ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት 2018 እናካየደ ይርከብ።

ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ከም ዝገለፁዎ፣ እቲ ትካል ካብ ዝህቦም 67 ኣገልግሎታት እቶም 47 ናብ ዲጂታላዊ ስርዓት ተለዊጦም።

እዚ ለውጢ ብልሹው ኣሰራርሓ ንምክልኻልን ኣገልግሎታት ቅልጡፍን ተበፃሕቲን ንምግባር ኣዝዩ እወንታዊ ውፅኢት ከምዘምፀአ ሓቢሮም።

ብኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ዝተወሰኑ መለክዒታት ብምምላእ ትካላዊ ሪፎርም ከም ዝተኻየደን፣ ንሰራሕተኛታት ምቹው ናይ ስራሕ ከባቢ ከም ዝተፈጠረን ገሊፆም።

ፍርያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ብዙሓት ስራሕቲ ከም ዝተሰርሑ ብምግላፅ፣ ብዙሓት ፀገማት የጋጥሙዎ ዝነበሩ ፍርያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ 800 ሚልዮን ብር ከስቢ ከም ዝረኸበን ናይ ባዕሉ ህንፃ ክሃንፅ ከም ዝኸኣለን ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብቲ በጀት ዓመት 3 ነጥቢ 4 ሚልዮን ዓማዊል ናይ ፍቓድ ንግዲ ኣገልግሎት ከም ዝተዋህቦም ገሊፆም።

ብሓፈሻ፣ ኣገልግሎታት ናብ ኦንላይን ምቕያር፣ ንቅልውላው ነዳዲ ዝተወሃበ ምላሽ፣ መሰረተ ልምዓት ዕዳጋ ምስፍሕፋሕን ምርግጋዕ ዕዳጋን ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት ከም ዝኾኑ ተገሊፁ።

ብተኣምራት ደለሊ

Comments (0)
Add Comment