ክረምታዊ እወንታዊ ባህሊና ናብ ዝለዓለ መግለፂ ክነሰጋግሮ ኢና-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2018 ዓ.ም(ኤፍ ኤም ሲ) ክረምታዊ እወንታዊ ባህሊና ናብ ዝለዓለ መግለፂ ክነሰጋግሮ ኢና ኢሉ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ክረምቲ ብዝመፅአ ቁፅሪ እነካይዶም ክልተ ቀንዲ ባህሊታት እናሃነፅና መፂእና ኢና ኢሉ።
ንሳቶም ድማ ንኢትዮጵያ ሓምለዋይ ምኽዳንን ወለንታዊ ኣገልግሎትን ከምዝኾኑ ኣብሪሁ።
ኢትዮጵያ ሃፍቲ ደንና እናተመናመነ፣ ልሙዕ ሓመዳ እናተሸርሸረን ንድርቂ ዘለዋ ተቓላዓይነት እናወሰኸን ምምፅኡ ብምግንዛብ መንግስቲ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብሚሊየን ፈልስታት ተኸላ ብምብሳር ቅድሚ ሒደት ዓማውቲ ከምዝጀመረ ኣዘኻኺሩ።
ኢትዮጵያውያን ‘ውን ነዚ እወንታዊ ጅማሮን ትልሚን ብዝለዓለ ብርኪ ብምግንዛብን ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብተበግሶ ብምትግባርን ንዓለም ዘደመሙ ዓወታት ምምዝጋቦም ገሊፁ።
ኣብ ከይዲ ድማ ፈልሲታት ምግቢን ፅባቐን ብምትካል ኣሰርና ብምንባር ንኢትዮጵያ ሓምለዋይ ናይ ምኽዳን ባህልና ሚሒር ኣጎልቢትና ኢና ኢሉ።
በቢዓመቱ ብዙሓት ፈልስታት ብምትካል ንህዝቢ ዓለም ብሓሙሽተ ዕፅፊ ዝበልፅ ልዕሊ 48 ቢሊየን ፈልስታት ከምዝተተኸለ ኣገንዚቡ።
ብመሰረት እዚ ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ትርጉም ብዘለዎ መጠን ክብ ክብል፣ ንሉኣላውነት ምግቢ መሰረት ምንባር ምጅማር፣ ንግዲ ወፃኢ ፍራምረ ክምዕብል ገይርና ኢና ኢሉ።
ስለዝኾነ ኣብ እዋን ክራማት እናማዕበለ ዝመፅአ ብጎስጓስ ዝካየድ ባህሊ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ንምጉልባትን ብቅንዕና ምስራሕና ክንቅፅል ኢና ክብል ኣረጋጊፁ።
ንኢትዮጵያ ሓምለዋይ ብምኽዳን ንፁህ ኣየር ንዓለም ክነበርክት ኢና ብምባል ሎሚ ዘበን ናይ ባዕልና ክብረ ወሰን ብናይ ባዕልና ዝለዓለ ተሳትፎ ሚሊየናት ብምምሕያሽ ልዕሊ 8 ቢሊየን ፈልስታት ክንተክል ኢና ክብል ገሊፁ።
ኣብ እዋን ክራማት ብእወንታዊ ልምዲ እናማዕበልናዮም ዝመፃእና ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰርን ወልታዊ ኣገልግሎትን ብዝበለፀ ሃገራዊ መግለፂን ባህሊናን ንክኾኑ ሎሚ ዘበን እውን ካብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብዝለዓለ ተሳትፎ ዝሓትት ትልሚ ትልሚ ብምድላው ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ ኣረጋጊፁ።
ብዝተደመረ ዓቕምና ትልሚ ኢትዮጵያ ብዝግባእ ንምዕዋት ቅድመ ምድላው ብምዝዛም ናብ ትግበራ ከምዝተኣተወ እውን ገሊፁ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment