ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መሰረት ርክብ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ድሕንነትን ክብሮምን ዘሕለወ ጭቡጥ ውፅኢት ኣምፂኡ ኢዩ፡፡
ቅድሚ ለውጢ ንዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ዝተውሃበ ትኹረት ትሑት ብምዃኑ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ሓዊሱ ንብዙሓት ፀገማትን ፅዕንቶታትን እናተቓልዑ ፀኒሖም ኢዮም፡፡
ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መንግስቲ ንዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ብዝሃቦ ትኹረት ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ብቕርበት ብምስራሕ ኣብ ስደት ወይ እውን ኣብ ሕጋዊ ስራሕ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ሰብኣዊ መሰሎም ንኽኽበርን ድሕንነቶም ክረጋገፅን ምግባር ተኻኢሉ፡፡
ኢትዮጵያ ንዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ከም ሓደ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ገይራ ምትግባር ካብ ትጅምር ንደሓር ካብ ወትሩ ንዝተፈለየ መልክዑ ሕድሕድ ዜጋ ኣምባሳደር ሃገሩ ንኽኸውን ዝገበረ ሓዱሽ ምዕራፍ ተኸፊቱ ኢዩ፡፡
ንኣብነት ድማ በቲ ዲፕሎማሲ ኣቢሉ ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝሰርሑ ዜጋታት መሰለ ንምኽባር ምስ መንግስታት ስዑድ ዓረብ፣ ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ፣ ኳታርን ጆርዳንን ክልተኣዊ ስምምዕነት ሰራሕተኛታት ተፈሪሙ።
እዚ ድማ ዜጋታት ብሕጋዊ መገዲ ንኽቑፀሩ፣ ትሑት ናይ መሃያ ደረጃ ንኽውሰነሎም ናይ ሕክምና ውሕስና ንኽህልዎም ኣኽኢሉ ኢዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ብዘካየዶ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ፀገምን ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ምምላስን እግሪ ክተኽሉን ምግባር ተኻኢሉ፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝርከቡ ዜጋታት ብዝምልከት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብ ኒው ደልሂ ኣብ ዝነበረ ጉባኤ ሚኒስትራት ሃገራት ብሪክስ ምስ ደቡብ ኣፍሪካ መዘነኦም ሮናልድ ላሞላን ብምርካብ ምዝርራቦም ይዝከር፡፡
በዚ ድማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብዝተወለዐ ዓመፅ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ብሓባር ንምክልኻል ዘኽእል ልዝብ ተገይሩ፡፡
ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ድሕንነቶም ብሓባር ንምሕላው ኣብ ቀረባ አዋን ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ከምዝኸደን ካልኦት ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪታትን ከምዝተገበሩ ይዝከር፡፡
ብሓፈሻ መንግስቲ ንዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ዝሃቦ ትኹረት ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ዜጋታትን ዘሎ ምትእመተማመን ዘደንፈዐ እንትኸውን፤ ዳያስፖራ ኩለመዳይ ተሳትፎ ውሽጢ ሃገር አዕቢዩ ኢዩ፡፡
ብኣቤል ነዋይ