ኮሚሽን ሃገራዊ ኢትዮጵያ ምስ ኣባላት ኣፋህድ ዘትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሚሽን ሃገራዊ ኢትዮጵያ ምስ መገዲ ሰላም ዝመረፁ 153 መራሕትን ኣባላትን ውድብ ህዝባዊ ፋኖ ኣምሓራ (ኣፋህድ) ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ንሰለስተ መዓልታት ዘተ ኣካይዶም፡፡
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዕጥቂ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣመራርሓን ኣባላትን ኣፋህድ ምስ እቲ ክልል መንግስቲ ስምምዕነት ብምፋፃሞም ይዝኸር።
ቅድሚ ሕዚ ድማ ብስም እቲ ትካል 17 ኣጀንዳታት ፈልዮም ናብ ኮሚሽን ኣረኺቦም።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ዮናስ አዳዬ ኣብ ዝተካየደ ምኽክር ብዕምቆት ምዝታዮም ተሓቢሩ።
ኣማራፂ ሰላም ዝሓቖፉ ዕጡቓት ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ንምምዝጋብ ኣምባሳደር ሰላም ክኾኑ ዝኽእሉሉ መንገዲ ንምምችቻው ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ኢሎም።
ብምንተስኖት ሙሉጌታ
Comments (0)
Add Comment