ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ወታደራዊ ኣካዳሚ ኢትዮጵያ ሆለታ ኣብ ዝርከብ ቀፅሪ ኣካዳሚኡ ዘሰልጠኖም መበል 71 ዙር መተማ ኮርስ ሕፁያት መኮንናት የመርቕ ኣሎ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ሓላፊ ዋና መምርሒ ትምህርቲን ስልጠናን ምክልኻል ጄነራል ይመር መኮንን፣ ኣዛዚ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጄነራል ጌታቸው ሃብታሙ፣ ዕድመ ዝተገበረሎም ጄነራል መኮንናትን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ወታደራዊ ኣታሼታትን ተሳቲፎም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ስልጠና ዝለዓለ ውፅኢት ዘመዝገቡ ሕፁያት መኮንናት፣ ብላዕለዋይ ኢታማጁር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ስነ-ስርዓት ምልባስ ማዕረግ ተኻይዱ።
ብርጋዴር ጄነራል ጌታቸው ሃብታሙ ኣብቲ እዋን ከም ዝበሉዎ፤ ተመረቐቲ ዝወሰድዎ ስልጠና ኩለመዳይ ዓቕሚ ኣመራርሓ ዘጠናኽር እዩ።
እቶም ሕፁያት መኮንናት ካብ ትምህርቲን ስልጠናን ዝረኸቡዎ ፍልጠትን ክእለትን፤ ዝኾነ ይኹን ወታደራዊ ልኡኽቶ ብብቕዓት ንምፍፃም ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘጎናፅፎም ገሊፆም።
ካብ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብተወሳኺ፤ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ኣፍሪካውያን ሕፁያት መኮንናት እውን ስልጠናኦም ብምዝዛም ከም ዝተመረቑ ግዜኢ ፀብፂቡ።