ውፅኢታውነት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ብረብሓ እንትዕቀን

ኣብ ዘበናዊ ምሕደራ መንግስቲ ዓወት ትካላት ዝዕቀን ኣብ ዕለታዊ ህይወት ዜጋታት ብዘምፅኡዎ ጭቡጥ ለውጢን ብዝፈጠሩዎ ረብሓን እዩ።

ኢትዮጵያ ሒዛቶ ኣብ ዘላ ጉዕዞ ምዕባለ ባህሊ ኣሰራርሓ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ካብ ልሙድ ከይዲ ኣተሓሳስባ ተላቒቑ ብውፅኢት፣ ረብሓን ፅልዋን ናብ ዘድሀበ ኣሰራርሓ ክሰጋገር ይግባእ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣባላት ካቢኔ መንግስቲ መደመር ኣብ ዘቕረብሉ እዋን፤ ካብቶም ዘስመሩሎም ቀንዲ ጉዳያት ሓደ ዕቤትን ለውጢን ኢትዮጵያ ኣብ ህይወት ዜጋታት ጭቡጥ ለውጢ እንተዘየምፂኡ ትርጉም ከም ዘይህልዎ ዝገልፅ እዩ።

እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ትካላት መንግስቲ ዝሰርሕሉ መንገዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ውፅኢቶም ዝዕቀነሉ መለክዒ እውን ዳግም ክረአ ትፅቢት ይሓትት።

ሓደ ትካል ክንደይ ስራሕ ከም ዝሰርሐ ምሕታት ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፤ እቲ ዝፈፀሞ ስራሕ ክንደይ ረብሓ ኣምፂኡ? ህይወት ዜጋታትከ ብኽንደይ ለዊጡ? ዝብሉ ሕቶታት ወሰንቲ እዮም።

እዞም ሕቶታት ካብ “እንታይ ሰሪሕና?” ናብ “እንታይ ተቐይሩ?” ዝብል ስግግር ኣተሓሳስባ ዘመልክቱ እንትኾኑ፤ እዚ ድማ ትካላት መንግስቲ ስረሖም ብጭቡጥ ውፅኢት ክምዝኑ ዘኽእል ኣሰራርሓ እዩ።

ብመሰረት እዚ ሓዱሽ ሓሳብ ኣፈፃፅማ ትካላት ብዝፈፀሙዎ ስራሕ ዘምፅኡዎ ውፅኢት፣ ዝፈጠሩዎ ረብሓን ኣብ ሕብረተሰብ ዘሕደሩዎ ፅልዋን ከርእዩ ኣለዎም።

እዚ ኣሰራርሓ ትካላዊ ተሓታትነት ብምጥንኻር ኣመራርሓ ይኹኑ ሰራሕተኛታት ዘካይድዎም ስራሕቲ ምስ ውፅኢት ከተኣሳስሩ የኽእሎም።

ብምዃኑ ድማ ካብ ከይዲ ናብ ውፅኢት፣ ካብ ውፅኢት ናብ ረብሓ፣ ካብ ረብሓ ድማ ናብ ጭቡጥ ፅዕንቶ ዝግበር ስግግር ንዘበናዊ ምምሕዳር መንግስቲ ግቡእ ኣንፈት እዩ።

ነብሲ ወከፍ ውሳነን ንጥፈትን መንግስቲ ኣብ ህይወት ዜጋታት ጭቡጥ ረብሓ ክፈጥር ምግባር ድማ ውፅኢታዊነት ትካላት ጥራሕ ዘይኮነስ ተሓታትነት መንግስቲን እምነት ህዝቢን ንምጥንኻር እውን ወሳኒ እዩ።

#መንግስቲመደመር

ብዮናስ ጌትነት

Comments (0)
Add Comment