ዕቤት መፍረያይነት ሕርሻ ኣብ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀረባ ዓመታት ዓውዲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ኣብ ዝናብ ጥራሕ ዝነበሮ ፅግዕተኝነት ብምንካይን ፍርያት ዝራእቲ ውሽጢ ሃገር ብምዕባይን ልዑል መዋቕራዊ ለውጥታት ኣካይዱ እዩ።

ብመንግስቲ መደመር ዝተዘርግሑ ዓበይቲ፣ ማእኸለዎትን ኣናእሽተይን መሰረተ ልምዓታት መስኖ ከምኡ እውን ኣሰራርሓ ክላስተር ሕርሻ ቀንዲ ስራሕቲ ለውጢ እዮም።

ብመስኖ ሕርሻ ኣብ ዝተኻየዱ ብዙሓት ምምሕያሻት ዝተመዝገቡ ቀንዲ ዓወታት እቲ ንኣሽሓት ዓመታት ካብ ምምሕያሽ ርሒቑ ዝፀንሐ ዘፈር እናተቐየረ ምዃኑ ዘብስሩ እዮም።

ቅድሚ ሕዚ ሕርሻ እታ ሃገር ኣብ ዝናብ ጥራሕይ ዝተመርኮሰ ስለ ዝነበረ፤ ብመስኖ ዝለምዕ መሬት ብመንፅር እቲ ሓፈሻዊ ዝተሓረሰ መሬት ኣዝዩ ውሑድ ነይሩ። እዚ ድማ መፍረያይነቱ ንኽንኪ ገይሩዎ እዩ።

ድሕሪ ሒደት ዓመታት ተፋሰስ ሩባታት ኣዋሽ፣ ኦሞ፣ ዋቤ ሸበሌን ካልኦትን ብምጥቃም ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንኣሽቱ መስኖታት ብምስፋሕ መጠን ዝለምዕ መሬት ብልዑል ደረጃ እናወሰኸ መፂኡ ኣሎ።

መረዳእታታት ከም ዘመላኽቱዎ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጥራሕ ልዕሊ 118 ሺሕን 800 ሄክታር መሬት ንምልማዕ ዘኽእሉ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት መስኖ ተኻይዶም እዮም።

ፍርያት ስንዴ ካብ ወፃኢ ሃገር ንምእታው ዝወፅእ ሸርፊ ወፃኢ ንምድሓን ዝተጀመረ ትልሚ ልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት ሓደ እዩ።

ኢትዮጵያ ጠለብ ስርናይ ውሽጢ ሃገር ርእሳ ካብ ምኽኣል ሓሊፋ ነቲ ፍርያት ናብ ወፃኢ ሃገራት ምልኣኽ ጀሚራ ኣላ።

ብኩታ ገጠም ዝለምዑ ሕርሻታት ካብ ሓደ ሄክታር ዝርከብ መጠን ፍርያት ብምስፋሕ ብምሩፅ ዘርኢን ብተመጣጣኒ ኣጠቓቕማ ድዅዒን ክዓቢ ተኻኢሉ እዩ።

እዚ ድማ ኣናሽተይ መሬት ዝውንኑ ሓረስቶት ብኩታ ገጠም ብምውዳብ ሓደ ዓይነት ኣጠቓቕማ እታወታት ምህርቲ፣ ዝተዋደደ ፕሮግራም መስኖ፣ ከምኡ እውን ኣጠቓቕማ ትራክተርን ኮምባይነርን ዘጠቓልል እዩ።

ቅድም ክብል ንምርባሕ እንስሳት ጥራሕ ይውዕሉ ዝነበሩ ቆላማ ከባቢታት ብፀሓይ ዝሰርሑ መሳርሒታት መስሐቢ ማይ፣ ሜላታት ጠብታ መስኖን ህንፀታት ዝውውር ማይን ቀረብ ማይ ኣዕብዮም እዮም።

ኣብ ማሽነሪታት ሕርሻን ዘበናዊ ድዅዒታትን ዝተገብረ ናፃ ቀረፅ መሰላትን ከምኡ እውን ቀረብ ልቓሕ ገፀር ሓረስቶትን ማሕበራት ሕብረት ስራሕን ኣብቲ ዓውዲ ኢንቨስት ንኽገብሩ ገይሩ እዩ።

ብመስኖ ሕርሻ ካብ እኽሊ ብተወሳኺ ፍርያት ኣሕምልቲን ፍረምረን፣ ናይ ቅብኣት እኽሊታትን ጥረ ኣቕሑት ኢንዱስትሪን ብምዕባይ ምስ ቀረብ እታወታት ምትእስሳር ዕዳጋ ዝተኣሳሰሩ ዘተባብዑ ስራሕቲ ተኻይዶም እዮም።

መረዳእታታት ሚኒስቴር ሕርሻ ዘመልክትዎ፤ እቲ ዘፈር ለውጢ ኣየር ናብ ዝፃወር ኣሰራርሓ እናተሰጋገረ ይርከብ።

ብምህረት ደምሴ

Comments (0)
Add Comment