ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ዘተኣማምን ኢንዱስትሪ ንምህናፅ ብንፅል ዘይኮነስ ተደሚርና ብምትእስሳር ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስት ሎሚ መዓልቲ ኢንዱስትሪ ፓርክ ገላን ጉራ መሪቖም ኣብ ዝኸፈቱሉ እዋን፥ ኢንዱስትሪታት እንትጣየሹ ኣብቶም ከባቢታት ዘለዉ ነበርቲ ዝጠቅሙ ክኾኑ ይግባእ፡፡
ብደቐቕቲን ኣናእሽቲን ተወዲቦም ኣብቲ ፓርክ ስራሕ ዝጀመሩ መናእሰይ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ስራሕ ከምዘይነበሮም ብምዝኽኻር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንካልኦት ቆፂሮም እናሰርሑ ምርኣይ ሓጎዝ ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም፡፡
እዚ ኢንዱስትሪ ፓርክ መፈልፈሊ ኣልማዕቲ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ከምዝኸውን ብምግላፅ፥ ኩለን ክልላት ካብዚ ፓርክ ትምህርቲ ክወስዳ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ኣብቲ ኢንዱስትሪ ፓርክ ንስራሕቲ ሕርሻ ዝውዕሉ ማሽና ፓምፕ፣ መፍረዪ ወርቂ፣ መቀነባበሪ መስኖን ፋብሪካ መፍረዪ ብሎኬትን ከምዝፈርዩ ሓቢሮም፡፡
ፋብሪካ ከፍርዩ ንዝኽእሉ መናእሰይ ዝግበር ዝኾ ይኹን ሓገዝ ኣዚዩ ጠቓሚ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብመጠኑ ዝተገበረሎም ሓገዝ እዚ ውፅኢት ኣምፂኡ ኢዩ ኢሎም፡፡
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ተዋፊሮም ዝነበሩ ናይ ወፃኢ ሃገራት ኣልማዕቲ ናይ ኣጎዋ ፀገም እንትፍጠር ሓዲጎምዎ ምኻዶም ስዒቡ እቲ ፓርክ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ክፍቲ ኮይኑ ከምዝተረፈ ኣዘኻኺሮም፡፡
ካብ ወፃኢ ዝመፅኡ ኣልማዕቲ ዝወስዱዎ ወሲዶም ከምዝኸዱ ብምፅራሕ፥ ናትና ኢንዱስትሪ ንናትና ሃገር ሰባት ክስራሕ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ