ዝሓለፉ ዓመታት ከም ሃገር እፃስቦ ኩሉ ጋህዲ ዝኾኑሎም ዓመታት እዮም – ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከም ሃገር እንሓስቦ ኩሉ ጋህዲ ዝኾኑሉ ዓመታት እዮም ኢሎም።

እቶም ፕሬዚዳንት ሎሚ ኣብ መዓልቲ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ወፍሪ 800 ሚልየን ፈልሲታት ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብምስታፍ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ብ2011 ዓ.ም ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንኢትዮጵያ ብዙሕ ውፅኢት ከምዘምፀአ ገሊፆም።

ጫካታት፣ ተኽልታታን ዝራእቲን ኢትዮጵያ ብፀጋ ተፈጥሮ ዝተባረኸት ሃገር ምዃና ዝገለፁ ፕሬዚዳንት ታየ፤ ተፈጥሮ ብዝሃበትና ፀጋ መጠን ዝነበረና ተበግሶ ኣዝዩ ውሑድ ከምዝነበረ ኣመልኪቶም።

በዚ ድማ ብዙሕ ተፈጥሮኣዊ ሃፍትና ከምዝሰኣንና ብምባል፤ በዚ ድማ ምስ ክሌማዊ ለውጢ ብዝተኣሳሰረ ብዙሕ ጉድኣት ከምዘተኣናገድና ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ንድርቂ እናተቓለዐት ከምዝነበረት ብምሕባር እዚ ታሪኽ ንምልዋጥ ካብ ዝተሃቀኑ ትልሚታት ቀዳማይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡

በቢዓመቱ ዜጋታት ብምትሕብባር ዝተጀመረ እዚ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ትወልዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዝቕፅል ወለዶ ትሩፋት ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብቢሊየናት ዝቑፀሩ ፈልሲታት ብምትካል ኢትዮጵያውያን ታሪኽ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ብኣቤል ነዋይ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment