ዩኒቨርሲቲ ወራቤ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩኒቨርስቲ ወራቤ ን7ይ ግዘ ብቅድመን ድህረን መርሃ ግብሪ ምረቓ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲን ሞያን ዘሰልጠኖም 900 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ኣማኻሪ ሚኒስቴር ትምህርቲ ሚኒስትር ዴኤታ ክንደያ ገ/ህይወት (ፕ/ር) ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ሃገር ትደልዮ ልዕልና ሞራልን ስምዒት ፍቕሪ ሃገርን ዘለዎ ተመራቒ ኢዩ ኢሎም።

መንግስቲ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናወገነ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ ኣብ መሰረት ከይዲ ትህምርቲ ትኹረት ተገይሩ ዝተሰርሐ ስራሕ ዘዕግብ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ተዛሪቦም።

ዲጂታል ትግበራታት ጋህዲ ኣብ ምግባር ብፍላይ ምዘና ተምሃሮ ብመርበብ ሓበሬታ ምሃብ ብምኽኣሉ ምቕዳሕ ክተርፍ ገይሩ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ወራቤ ቶውፊቅ ጀማል (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ናይ ሎሚ ተመረቕቲ ተምሃሮ ፈተናታት ናብ ዕድል ብምልዋጥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፃንሒቶም ዘኻዕበቱዎ ፍልጠት ንሃገር ብዝረብሕ መልክዑ ክጥቀሙሉ ይግባእ ኢሎም።

ናብ ማሕበረሰብ እንትፅምበሩ ንመንነቶም ብዝገልፅን ናይ ዩኒቨርሲቶም ኣበርክቶ መሰረት ብዝገበረን መልክዑ እጃሞም ክዋፅኡ ከምዘለዎም ኣብሪሆም።

ብወንድሙ ኣዱኛ

Comments (0)
Add Comment