ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ በብዓመቱ ኣብ ኣደባባይ ካብ እተኽብሮም በዓላት ሓደ በዓል ደመራ መስቀል እዩ።
መስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ፣ ደሙ ኣፍሲሱ፣ ስጋኡ ተቘሪሱ ንዓለም ዘድሓነሉ ዙፋን ክርስቶስ ስለ ዝኾነ ኣብ ቤተክርስቲያን ዓብዩ ክብርን ቦታን ይወሃቦ።
ቤተክርስቲያን በዓል መስቀል ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ንዓለም ከም ዘድሓነ፣ መስቀል ብደም ክርስቶስ ዝኸበረ ምዃኑን ስግደት ከም ዝግበኦን ትምህር ብተግባር እውን ትገልፆ።
በዓል መስቀል እቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ንድሕነት ደቂ ሰብ ዘርኣዮ ፍቕርን ርሕራሐን መግለፂ ምዃኑ ኣቦታት ሃይማኖት ይገልፁ።
መስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ተሰቒሉ ንዓለም ድሕሪ ምድሓኑ ኣብ ኢየሩሳሌም ሕሙማት ብምፍዋስ፣ ምዉታት ብምትንሳእ፣ ለምፃማት ብምንፃህ፣ ጎባጣት ብምቕናዕ ምልክት ድሕነት ኮነ።
ይኹን እምበር እቶም ኣይሁድ እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል ተኣምራት ክገብር ስለ ዘይደለዩ ኣብ ኢየሩሳሌም ነቲ መስቀል ክሓብእዎ ወሰኑ።
በዚ ድማ ጉድጓድ ኩዒቶም ምልክት ድሕነት ዝኾነ መስቀል ቀበርዎ፤ እቲ መስቀል ዝተቐብረሉ ቦታ እውን ንኣስታት 300 ዓመታት መጣየሺን መኽዘን ጎሓፍን ገበርዎ።
ምልክት ድሕነትን ብርሃንን መስቀል ኣብ ልቦም ዝተገልፀሎም ክርስቲያናት እናበዝሑ ምስ መፁ፣ ነቲ መስቀል ክደልይዎ ጀመሩ። ካብዞም ክርስቲያናት ድማ ንግስቲ እሌኒ ሓንቲ እያ።
ንግስቲ እሌኒ ወዳ ቆስጠንጢኖስ ንጉሰ ነገስት ሮም ምስ ኮነ ድሕሪኡ ናብ ኢየሩሳሌም ከይዳ ነቲ መስቀል ክትደልዮ ንእግዚኣብሔር ዝኣተወትሉ መብፅዓ ንምፍፃም እቲ ክብረ መስቀል ዘለዎ ቦታ ክትምርምርን ክትሓትትን ጀመረት።
ነቲ መስቀል ክትደልዮ እንከላ፣ ክልተ ኣካላት ከም ዝሓገዝዋ ይንገር ይብሉ ኣብ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ዋና ቤተክህነት ክፍሊ ስብከተ ወንጌልን ሓዋርያዊ ተልእኾን ሓላፊ ስምሪት መጋቤ ብሉይ ኣዕምሮ ዘውዴ።
እቲ ቀዳማይ ካብ ታሪኽ ፈላጣት ሰባት ሓደ ኪራኮስ መስቀል ክርስቶስ ኣብ ሓደ ካብ ሰለስተ ኣኽራን ተቐቢሩ ከም ዘሎ ከም ዝንገር ኣመላከታ።
ንግስቲ እሌኒ ካብቶም ሰለስተ ኣኽራን ኣየናይ ምዃኑ ንምፍላጥ ብሓገዝ መልኣኽ እግዚኣብሔር ቅዱስ ሚካኤል፣ ደመራ ኣደሚራ ብዙሕ ዕጣን ብምውሳኽን ብምንዳድን ንሸውዓተ መዓልቲ ሱባኤ ከም ዝሓዘት ይገልፁ።
ሎሚ ዕለት ኣብ ዙርያ ደመራ ዝግበር ፀሎትን ዝዝመር ዜማን ምስዚ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ድማ ይገልፁ።
ቀፂላ ንግስቲ እሌኒ ነቲ መስቀል ንምርካብ ምኹዓት ክጅመር ኣዘዘት። እዚ ዕለት እዮሃ ተባሂሉ ይፅዋዕ።
ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ ምኺዓት፣ ብዕለት 10 መጋቢት ምልክት ድሕነት፣ ብርሃንን ሰላምን ዝኾነ መስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተረኽበ ተበሰረ።
ብወገን ባህላዊ ክብርታት ድማ፣ መስቀል ሰላም ዝተኣወጀሉን ፍቕሪ ዝተሰብከሉን በዓል ብምዃኑ፣ ኩሎም ብሓድነት ዘኽብርዎ በዓል ምዃኑ ይገልፁ መጋቤ ብሉይ ኣዕምሮ ዘውዴ።
ኣብ ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ዝተመዝገበ ስነ-ስርዓት ኣከባብራ በዓል መስቀል፣ ኣብ ግዜ እቲ በዓል ዝፍፀሙ ሃይማኖታውን ባህላውን ስነ-ስርዓታት ቀልቢ ዝስሕቡ እዮም ይብሉ። በዚ ድማ ብዙሓት ቱሪስታት እናመፁ ነቲ በዓል ከም ዝሳተፉ ገሊፆም።
ርሑስ በዓል ደመራ መስቀል!
ብመላኩ ገድፍ