ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 35 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ኦልድ ትራፎርድ ንሊቨርፑል እተተኣናግደሉ ደርቢ ላንክሻየር ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ቀትሪ ሰዓት 11፡30 ኣብ ዝካየድ ፀወታ ብወገን ማንቼስተር ዩናይትድ ማቲያስ ዲላይት ብጉድኣት፤ ሊሳንድሮ ማርቲኔዝ ድማ ብቕፅዓት ምኽንያት ኣይስለፉን፡፡
ብጉድኣት እናተሓመሰት ትርከብ ሊቨርፑል ድማ ሞሓመድ ሳላህ፣ ኣሊሰን ቤከር፣ ኮኖር ብራድሌይ፣ ዋታሮ ኢንዶን ሁጎ ኤኪቲኬን ናብቲ ፀወታ ኣይበፅሑን፡፡
ማንቼስተር ዩናይትድ 61 ነጥቢ ብመሓዝ ኣብቲ ሊግ 3ይ ደረጃ ሒዛ እንትትርከብ፤ ሊቨርፑል ድማ ብ58 ነጥቢ ኣብ 4ይ ደረጃ ትርከብ፡፡
ኣብ ካልኦት ናይዚ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፀወታታት፤ ቦርንማውዝ ምስ ክሪስታል ፓላስ ቀትሪ ሰዓት 10 ከምኡ እውን ኣስቶን ቪላ ምስ ቶተንሃም ሆትስፐር ምሸት ሰዓት 3 ፀወተአን ከካይዳ ኢየን፡፡